ማኅሌተ ጽጌ

ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር። ምኽንያት፣ስደት ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ሃንደበት ዘይኮነስ ከምቲ ካልእ …

ምሥጢረ ሥላሴ

በስመ አብ ወወል ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። “መቕድመ ኩሉ ንስብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱስ ዘውእቶሙ አብ፣ወልድ፣መንፈስ ቅዱስ።” “እግዚአብሔር ኢልና ንኣምኖ ንሕና ዝፈለጥናዮን ዝበጻሕናዮን ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብባዕሉ ዝፍለጥን ንርእሱ ባዕሉ ጥራሕ ዝፈልጣ እዩ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ዘለና ኣፍልጦ ብመጠን ዓቕምና እምበር ብመምዘኒ ዓቀኑ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኢልና እንኣምኖ ስፍሓቱ ሰማይን ምድርን ክበጽሕዎ ዘይክእሉ፣ርቀቱ ናይ መላእኽቲን ደቂ ሰባትን ኣእምሮ …

ነገረ ሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሃይማኖት ምድራዊ ዘይኮነስ፣ ካብ ሰማይ ካብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበን ዝተሠርዐን እዩ። ሓደ እዋን ብዛዕባ ሥልጣኑ ክሓትዎ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ኣይሁድ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጽኡ። ንሱ ድማ፤ “ጥምቀት ዮሐንስሲ ካብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧” (ማር. ፲፩፥፴/11፥30) ኢሉ ንሕቶኦም ብሕቶ መለሰሎም። ንሳቶም ግና ካብ ሰማይ ምዃና …