ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መርኣያ ናይቲ ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ኣብ ከተማ ለንደን ናብ ዝርከባ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ምብጻሕ ዑደት ኣካይዶም። ሰንበት ፪ ታኅሣሥ ናብታ ካብ እትምሥረት ልዕሊ ፴ ዓመታት ዝገበረት ደብረ ሳኅል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ዑደቶም ጀሚሮም። ነቲ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፍልልይ ብዕርቂ ሰላም ንምዝዛም ኣብ ቀጽሪ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ …