ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ኣብ ከተማ ማግደቡርግ ሓድሽ ታቦት መድኃኔ ዓለም ኣትዩ

ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ፡ ምእመናን ኣብ ዘለውዎ ቦታ ብጉቡእ ንኽግልገሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ዝህቦ ዘሎ ታቦታት፡ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ፡ ውን ኣብ ከተማ ማግደቡርግ እትርከብ ማሕበረ ምእምናን መድኃኔ ዓለም ታቦት የእትዩ።   ኣብቲ ብዕለት ፲፯-፲፰ ጥቅምት ፳፻ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(27-28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ፈረ ዝተፈጸመ ስርዓት ምእታው ታቦት ፡ ካብ …

እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና ድማ ተሓጎስና

ሰንበት 9 ሓምሌ 2009 ዓ.ም. (16/7/2017 ዓ.ም.ፈ) ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳሳት፣ ኣበምኔት ገዳማትን መነኮሳትን፡ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን፡ ውሉደ ክህነትን ዲያቆናትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም (ኣሥመራ) ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ንነዊኅ ጊዜ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ናይ ዕርቀ ሠላም መገዲ ብሩኅ ተስፋ ኣርእዩናስ እነሆ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዓጂቡ ተጀሚሩ። ነዚ ናይ …

ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ብሮቢ ኣትዩ

ኣብ ሃገረ ሽወንድ ኣብ ከተማ ብሮቢ ብማኅበር ተጠርኒፎም ክግልገሉ ንዝጸንሑ ምእመናን ብዕለት 12/02/2017 ዓ.ም. ፭ የካቲት ፳፻ወ፱ ዓ.ም ታቦት ናይ ቅዱስ ገብርኤል ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓት ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን ኣቦ መንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ዝተረክቡሉ ኣትዩ ። እዞም ልዕሊ 200 ዝኾኑ መእመን ዝተጠረነፈት ማኅበር ብመምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስን ብሕጊን ሥርዓትን …

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ምስ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ርክብ ኣካይዱ

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዝርጋሐ ዘለዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ከም ዝህሉ ንምግባር ኣብዕቱዑ ክሰርሓሉ ካብ ዝጅምር ድሮ ዓሠርተ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ። ዝርጋሐ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ 60 ኣብያተ ክርስቲያን ልዕሊ 90 ድማ ማኅበራት ዝሓዘ ክኸውን ከሎ ነዚ ሰፊሕ ዝኾነ ዝርጋሐ ሓባራውን ሓድነታውን …

ኣብ ሃገረ ጥልያን ዳግም ሥርርዕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተካይዱ

ኣብ ሃገረ ጥልያን ፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዘማእከሎ ብቐዳም ዕለት ፮ ጥሪ ፳፻፱ ዓ.ም (14 ጥሪ 2017 ዓ. ም) ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ። እዚ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ቦሎኛ ዝተገብረ ጉባኤ ንዳግመ ስርርዕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ኣብ ሃገረ ጥልያን ዝርከባ ዝበዝሓ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ማኅበረ ምእመናን …

ሓዋርያዊ ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ዕዉት ናይ ስራሕ ብምጻሕ ተመሊሶም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ሓዋርያዊ ዑደቱ ዛዚሙ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኤርትራ ንክምለስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ለንደን ካብ ሠለስቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከባ ብዝተወከሉ ናይ ምፍናው መደብ ተጌሩሉ። ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዝጸንሓሉ …

ዕዉት ምጅማር ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ

ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝምራሕ ሎሚ ኣብ ከተማ ለንደን ቀጽሪ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ 150 ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ዝጥርንፍ ኣኼባ ተጌሩ ውዒሉ። ናይዚ ጉባኤ ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ ዝነበረ ፍልልይ ብዕርቂ ሰላም ተዛዚሙ ብኅብረት ኮይኖም ምእንቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግልሉ መድረኽ ንምፍጣር ዝዓለመ ስለ ዝነበረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ …

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም

በስመ ኣብ ወወልደ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ! ብቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተላእኩ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ምስ ዲያቆን ግርማይ ነቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ካናዳን ዝነበሮም ዑደት ብሰላም ዛዚሞም፣ዕለት ፳፰ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም፡ ከባቢ ሰዓት ትሸዓተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ለንደን (London He  athrow) ብሰላም ኣትዮም። እታ ንብዙሕ ግዜ ብብዙሕ መገዲ ክትእቶ …

ኅዳር ጽዮን ኣብ ከተማ ዞሊንገን ተኸቢሩ ውዒሉ

  ማኅበር ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም — ጀርመን መበል6ይ ዓመታዊ በዓል ካብ ዕ ለት 3—4 ታሕሳስ 2016 ቀዳምን ሰንበትን ( ፳፬—፳፭ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም) ኣብ ከተማ ዞሊንገን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ” ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘዉር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ: ንቅሑ ።”ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኸብረ በዓል: ብብዝሒ መንእሰያት …