ምሥጢረ ሥላሴ

በስመ አብ ወወል ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። “መቕድመ ኩሉ ንስብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱስ ዘውእቶሙ አብ፣ወልድ፣መንፈስ ቅዱስ።” “እግዚአብሔር ኢልና ንኣምኖ ንሕና ዝፈለጥናዮን ዝበጻሕናዮን ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብባዕሉ ዝፍለጥን ንርእሱ ባዕሉ ጥራሕ ዝፈልጣ እዩ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ዘለና ኣፍልጦ ብመጠን ዓቕምና እምበር ብመምዘኒ ዓቀኑ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኢልና እንኣምኖ ስፍሓቱ ሰማይን ምድርን ክበጽሕዎ ዘይክእሉ፣ርቀቱ ናይ መላእኽቲን ደቂ ሰባትን ኣእምሮ …