ነገረ ሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሃይማኖት ምድራዊ ዘይኮነስ፣ ካብ ሰማይ ካብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበን ዝተሠርዐን እዩ። ሓደ እዋን ብዛዕባ ሥልጣኑ ክሓትዎ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ኣይሁድ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጽኡ። ንሱ ድማ፤ “ጥምቀት ዮሐንስሲ ካብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧” (ማር. ፲፩፥፴/11፥30) ኢሉ ንሕቶኦም ብሕቶ መለሰሎም። ንሳቶም ግና ካብ ሰማይ ምዃና …