እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና ድማ ተሓጎስና

ሰንበት 9 ሓምሌ 2009 ዓ.ም. (16/7/2017 ዓ.ም.ፈ) ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳሳት፣ ኣበምኔት ገዳማትን መነኮሳትን፡ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን፡ ውሉደ ክህነትን ዲያቆናትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም (ኣሥመራ) ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ንነዊኅ ጊዜ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ናይ ዕርቀ ሠላም መገዲ ብሩኅ ተስፋ ኣርእዩናስ እነሆ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዓጂቡ ተጀሚሩ። ነዚ ናይ …