home ዜና ቤተክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ

ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ነቶም ናብ ገዳም ደብረ ሲና ፡እናኸዱ ከለዉ ብምኽንያት ሓደጋ ናይ ኣውቶቡስ ፡ዝዓረፉ ወገናትና፡ ጸሎተ ፍትሓት ፈጺመን።
ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ኒውሻትል፡ እትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፡ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያን፡ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ፡ ከምኡ ውን ካልኦት ኣባላት ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን ንኡስ ሃገረ ስብከትን ዝተረኽብዎ ግቡእ ዝኾነ ጸሎተ ፍትሓት በጺሑ።ንዝዓረፉ መንግሥተ ሰማያት ከዋርሶም፡ ንኹሎም ስድራቤትን ፡ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን ጽንዓት ክህብ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

 

dav

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *