home Uncategorized ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን

ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን

15590314_1393497797351096_1858335568263276234_n 15621980_1393497804017762_2355654812887039279_n

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መርኣያ ናይቲ ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ኣብ ከተማ ለንደን ናብ ዝርከባ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ምብጻሕ ዑደት ኣካይዶም። ሰንበት ፪ ታኅሣሥ ናብታ ካብ እትምሥረት ልዕሊ ፴ ዓመታት ዝገበረት ደብረ ሳኅል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ዑደቶም ጀሚሮም። ነቲ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፍልልይ ብዕርቂ ሰላም ንምዝዛም ኣብ ቀጽሪ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቅድሚ ምጅማሮም ዝተገብረ ሓዋርያዊ ተልእኮ ክኸውን ከሎ ነቶም ብምኽንያት ኣጋጢሙ ዝነበረ ምፍልላይ ክበጻጽሑ ዘይከኣሉን ኣብ መንጎኦም ጽልኢ ተፈጢሩ ዝነበረ ምእመናን ብመገዲ ብጹእ ኣቡነ ሉቃል ተጽሳፅ ሓዘል ዝኾነ ስብከት ተዋሂቡ። ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ሕዝቢ ሓድነቱ የዕቢዩ ኣብ መንጎኡ ዘሎ ፍልልይ ኣርሒቑ ምእንቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሕ ከም ዘለዎ ለበውኦም ኣመሓላሊፎም። እዚ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ዑደት እዩ።

ቀጺሎም ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ናብታ ኣብ ከተማ ለንደን እትርከብ ካብ እትኽፈት ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝገበረት መንበረ ጸባዖት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዝተገብረ ሓዋርያዊ ዑደት ቀዳም ዕለት ፰ ታኅሣሥ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሕዝቢ፣ ውሉደ ክህነት፣ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን መዘ2222ምራንን ዝተሳተፍዎ ካብ መላእ ዓባይ ብርጣንያ ዕድመ ዝተገብረሎም ምእመናን ዝተሳተፍዎ ምምራቕ ቤተ ክርስቲያን ጌሮም። ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ንግሆ ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ጽቐጸለ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝተፈጸመሉ ስለ ዝነበረ ነዚ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ባሪኾም ከፊቶምዎ። 

ብተወሳኺውን ካብ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ በርሚንግሃም እትርከብ ዝመጹ ትሽዓተ መእሰያት መዓርገ ዲቁና ተቐቢሎም። ኣብ መዛዘሚ ናይቲ በዓል ዑደት ምስ ተገብረ ብመገዲ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ነቲ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ዓባይ ብርጣንያ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ቀንዲ ዕላምኡ ንምንታይ ከም ዝ222ኾነን ዝተገብረ ናይ ዕርቂ ዝርርብ ብዓወት ከም ዝተፈጸመ ሓጎስ ብዝተመልአ ቃል ምስ ኣመሓላለፈ ድምጺ ናይቶም ነቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ መሊኦምዎ ዝነበሩ ሕዝቢ ብዕልልታን ጣቒዕትን ሓጎሶም ክገልጹ ከለዉ ይረአ ነበረ። መንበረ ጸባዖት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ካብተን ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከባ ብሕጊን ሥርዓት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ተቐይደን ዝኸዳ ኣብያተ ክርስቲያን ሓንቲ እያ።

ንጽባሒቱ ሰንበት ሣልሳይ ሓዋርያዊ ዑዶቶም ንምፍጻም ኣንጊጎም ናብ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኣምሪሖም። ውልደ ክህነት፣ ምእመናን፣ መዘምራን ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ድሙቕ ኣቀባብላ ብምግባር ምስ ተቐበልዎም፣ ከም መርኣያ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ነቶም ማኅበረ ምእመናን ተበጺሑ ዘሎ ዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ሓድነትን መብርሂ ሂቦም። ብተወሳኺውን ሓድሽ ሕንጻ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን መርኣያ ዓወት ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ዝተሰምዖም ሓጎስ መግለጺ ዘይብሉ ከም ዝኾነ ሓቢሮም። ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝኽፈት ልዕሊ ዕስራን ኃሙሽተን ዓመት ዝገበረ ነባር ቤተ ክርስቲያን እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *