ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ (ቅዱስ ሲኖዶስ)

ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ምሕደራ ሕጊ ሥርዓትንንኡ እግዚብሔር እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሕድራ ካብ እግዚብሔር ዝተረቶ፣ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ነገደ መላእክት ዝምርሕሉ ቀዳሞት አበው ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ብሕገ ኦሪትን ሕገ ወንጌልን ብግብሪ ዝተገልጸ እዩ። ሰብ ዝበሃል ፍጡር ኣብ ኩሉ ዘመናት ማለት ኣብ ሕገ ልቦና ሕገ ኦሪት ሕገ ወንጌልን ብመንፍሳዊ ምሕደራ ምስ ዓለመ መላእክቲ ርክብን ተዛምዶን ዘለዎ እዩ።

. መንፈሳዊ ምሕደራ ኣብ ዓለመ መላእክ

ናይ እግዚብሔር ዙፋን ዝሽከሙ ኪሩቤል (ዐርባዕ እንስሳ) መንበሩ ዝዓጥኑ ሱራ[ዕስራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ] ብመንፈሳዊ ምሕደራ ነናይ ገዛእ ርእሶም ዕዮ ተዋሂብዎም እዩ። ይላት ብመንፈሳዊ ሕይወት ድኽመት ዘርኣዮ ክርስቲያን ከበራትዑ ብኣምላካዊ ጥበብ ኣዚዞም ዝተሾሙ ክኾኑ ከለዉ፣ ኣርባብ [ዝዓርዱ] ናይ እግዚአብሔር መንበር ክንፎም ይሽፍንዎ። ስልጣናት ፍጥረት ዓለም ንክሕልዉ ምጽኣት ወልደ እግዚአብሔር ከበስሩ ዝተወሰነሎም እዮም። ካልኦት መላእክቲ ውን ኣብ ፍጥረት ዝተሾመ እዮም። ናይ ስልጣን ደረጃ (ማዕርግ) ዘርኢ ኣገባብ ነቶም ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእክቲ (መራሒ) ይሙሎም እዩ። (ኢያ :፲፬, 514)

ናይ ስራሕ ምምቅራሕን ሕልቅነትን ጥራሕ ዘይኮነስ መጸውዒ ስም ሂቡ ቦታ ፈልዩ ኣስፊርዎም። ኪሩቤል ሱራልን ይላትን ኣብ ኢዮር ኣርባብ መናብርትን ስልጣናትን ኣብ ራማንንትን ሊቃትን ኣብ ኤረር ኣስፈሮም። ክብል ቅዱስ ኤፋንዮስ ኣብ ኣክሲማሮስ ገሊጽዎ ይርከብ። ብተወሳኺ ውን ኣብ ኢዶም ዝሕዝዎ ኣብ ርእሶም ዝገብርዎ ብኣምላካዊ ናይ ምሕደራ ርዓት ተወሲንሎም እናይ ብርሃን ዘውዲ ገበረሎም ናይ ብርሃን ዘንጊ ጽሓፈሎም ኣስኬማ መላእክ ቀረሎም።”(ኣክሲማሮስ)

ዝተሰዓሎምዝተሓገገሎም ሥርዓትን ኣገልግሎትን ጸኒም ዝርከቡ ቅዱሳን ክቡራን ንኡዳን መላእክቲ ተባሂሎም ኣብ ምድርን ሰማይን ተመስጊኖም እዮም። ነቲ ዝተሠርዓሉ ናይ ምሕደራ ሓላፍነት ዘየኽበረ ዲያብሎስን ራዊቱን ግን ናብ ሲልን መዓሙቕ ጉድግጓድ ተደርቢዩ።(ኢሳ 1414) እዚ ድማ ኣብ ምሕደራ ዘሎ ተሓታትነት ዘርኢ እ። ብሓፈሻ ኣብ ዓለመ መላእክቲ ናይ ስራሕ ምምቅራሕ ናይ ስልን ደረጃ (ተዋረድ) ናይ ኣገልግሎት ሥርዓትን ተሓታትነት ዘለዎ ከም ዝኾነ ክንምሃር ይከኣል። ኣብ ሓደ ናይ ምሕደራ ዓንኬል ዘለዉ (ዝተራእዩ) ተግባራት ኣብ ዓለመ መላእክት ምርዳእን ምንባብን ይከኣል።

ቤተ ክርስቲያን ብናይ ሰማይ ምሳሌ ብብዙ መብራህቲ ዝበርሀት ትኹን ፍላይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክንበብ ክለው። ዝብል ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝግሩ ነገራት ኩሎም ኣብ ሰማይ ብዘሎ ርዓት (ዓለመ መላእክት) ኣምሳል ከም ዝኾነ ዘመልክት እዩ። (ፍትሐ መንፈሳዊ ኣንቀጽ 13) ሊቃውንቲ ውን ኣብ ድርሳኖም ዘተሰርዓ ሰማይ ተሰርዐ በምድር ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝተሰርዐ ኣብ ምድሪ ተሰርዐክብሉ ኣብ ላዕሊ ንዝተገልጸ ርዓ ምሕደራ ኣጉሊሖም ይገልጽዎ።

1.2 መንፈሳዊ ምሕደራ ኣብ ሕገ ልቦና

ኣብ ወረቐት ዝተጻሕፈ ሕጊ ኣብ ዘይነበረሉ ሰብ ንርእሱን ኣብ ዓለም ዘለው ፍጥረታት ከማሓድሮም ዝክእለሉ ዓቕሚ ብእግዚአብሔር ተዋሂብዎ እዩ። (ዘፍ፥28) ከምኡ ውን ክሳብ ሕገ ኦሪት ዝነበሩ ቀደምት ኣው ንጉ ካህን ነቢይ ኮይኖም ቤተሰቦም ሃገሮምሕዝቦም መሪሖም እ ምሕደኦም ድማ እግዚአብሔር ዘይተፈልዮ ረዲኤት እግዚአብሔር ዝነበሮ ነይሩ። ኣብ ሕገ ልቦና ዝነበረ መንፈሳዊ ምሕደራ ርእስካን ቤተሰብካን ብትእዛዝ ካብ ምምሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ብሔራዊ ምሕደራ ጠሊቁ ዝቐጸለ እዩ ነይሩ። ንኣብነት ናይ ሌም ንጉ መልከጼዴቅ ምጥቃስ ይከኣል። (ዘፍ ፲፬:፲፰, 1418)

ናይ ኣቤል ቅቡል መስዋቲ ንዘለዓለም ዝዛረብ ናይ ጽድቂ ተግባር እዩ። እንተ ኮነ ግን ናይ መስዋዕቲ ሕጊ ኣብ ጉባኤ ሰብ ኣይሓገጉሉን።[ኣብኡ ኣዳም ሰሪዑ ዘርኣዮ ተኸቲሉ ክፍጽም ስለዝኸኣለ ዩ።] ኅውን ቀለልን ከበድትን ፈልዩ ዓለም ኣብ ሓንቲ ንእሽቶይ ጸባብ መርከብ ዘማሓደረ ብናይ እግዚአብሔር ጥበብ እዩ (ዘፍ፡፱, 89)ካብ ሞንጎኹም ወዲ ዝኾነ ኩሉ ይገዘር ዝብ

ሕገ ግዚብሔር ኣብራሃም ንገዛእ ርእሱ ንቤተሰቡን ዘማሓድሮም ዝነበረ ኩሎም ድሓር ውን ንዘርኡ መምርሒ ኮይኑ። (ዘፍ ፲, 1710)

ኣብ ሕገ ልቦና ዝነበረ መንፈሳዊ ምሕደራ ካብ ቤተሰብን ነገድን ሓሊፉ ሃገራዊ መልክዕ ሒዙ ጎሊሑ ዝተራእየሉ ዘመን እዩ። ካብዚኣቶም ዮሴፍ ዝነበረሉ ዘመን ምጥቃስ ይካኣል። ዮሴፍ ኣብ ምድረ ግብጺ ኣብ ዝነበረሉ መንፈሳዊ ኣመሓድኡ ብዙኅ ግብርታትን ኣደነቕቲ ዓወታትን ፈጺሙ እዩ። ኣብ ዮሴፍ ሕይወት ጎሊሑ ዝርአ ዝነበረ መንፈሳዊ ምሕደራ ኣዝዩ መንፈሳዊ ጥበብ ዝተራእየሉ እዩ።

ሀ ጥበብ

ናይ ዮሴፍ መስተውዓሊ ምን ብፈተውቱን ጸላእቱን ዝተመስከረሉ እዩ። ናይ ጥበብ ምንጪ እግዚአብሔር ዝኾነ፥ እግዚአብሔር መንፈስ ዘለዎ ከም ዮሴፍ ዓይነት ሰብ ምርካብ ናይ ቤተክርስቲያንን ሃገርን ሰላም ሓድነት ዓወት ከም ዘረጋግጽ ይገብር።(ዘፍ ፵፩፡፴፰, 4138) ዚ ድማ ናይ ምሕደራ ሕይወት [ተግባር] ርእሱ ዝኸኣለ ጥበብ ፍልጠት ከም ዝሓትት የረጋግጸልና።

ለ ረድኤት እግዚአብሔር

ዮሴፍ ግብጺ ምልእቲን ስደተኛታት ወገኑን የማሓድር ዝነበረ ብፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ እግዚአብሔር ረድኤት ስለዘይተፍልዩ እዩ። እግዚአብሔር ንዮሴፍ ኣብ ኩሉ ስርሑ ኣይተፈልዮን።(ዘፍ ፴፱:, 392)

ዮሴፍ ነታ ከመሓድር ሓላፍነት ዝተዋህበቶ ቤት ጲጥፋራ ብቑዕ ኮይኑ ከም ዝርከብ ዝገበሮ ንርእሱ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ንእግዚአብሔር እሙን ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ እዩ። ሰይቲ ጲጥፋራ ደጋጊማ ዘቅረበቶ ናይ ክፍኣት ሕቶ በቲ ዝሃቦ መልሲ እሙን ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ እዩ። “ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከመይ ጌረ ክፋእ ነገር ክገብር ፧ክብል ነቲ ርክሰት ዝተሸከመ ሕቶኣ ኣይተቀበሎን። እዚ ድማ ምሕደራዊ ተግባር ንርእስኻን ንሕዝብኻን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ንእግዚአብሔር እሙን ምኳን ከም ዝኮነ ኣረጋጊጹልና።

. ምእንቲ ሓቂ መከራ ምቅባል

እግዚአብሔር ኣብ ዝሃቦ ናይ ምሕደራ ተግባር ብጥበብን ፍጹም ብዝኾነ እምነትን ክሰርሓሉ ከሎ ብዝተፈላለዩ ሰባት መከራ ምቅባሉ ዘይተርፍ እዩ። ዮሴፍ ንሰይቲ ጲጥፋራ ድሌታ ክገብረላ ስለዘይከኣለ ብናይ ሓሶት ሴራ ካብ ሹመቱ ወሪዱ ፤ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝድርበ ጌራቶ እያ። ኣብ ዘይፈልጦ ሃገርን ሕዝብን ንብዙሕ መከራን ስቃይን ግዳይ ኮይኑ እዩ። ምስኡ ሓቢሮም ተኣሲሮም ዝነበሩ ቅድሚኡ ዝተፈትሑ ውን እንተኾኑ ክዝክርዎ ኣይካኣሉን።(ዘፍ 3818)። ንግዚኡ ብናይ ሓሶት ክሲ ተከሲሱ ካብ ሓደ ዓቢይ ዝነበሮ ሽመት ዋላ እኳ እንተ ደስከለ እግዚአብሔር እምነቱ ርእዩ ናይ ሃገረ ግብጺ ኣማሓዳሪ ከም ዝኸውን ገበሮ። ግብጺ ብጥሜትን ጽጋብን ከይትጉዳእ ብመንፈሳዊ ምሕደራ ኣማሓዲርዋ እዩ። ኣብ ግዜ ጥሜት ውን ንቤተሰቡ መዕቆቢ ኮይኑ ዝተረኽበ ጻድቕ ሰብ እዩ።

ኣብ ሕገ ልቦና ዝነበረ መንፈሳዊ ምሕደራ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ናብ ሃገራዊ ናይ ምሕደራ ቅርጺ እናዓበየ ዝኸደ ከም ዝነበረ ክንርዳእ ይከኣል። ካብ እግዚአብሔር ቃል ብቃል መምርሒ ተቀቢሎም ንርእሶም ፤ቤተሰቦምን ሕዝቦምን ዘመሓደሩ ኣርእስተ ኣበው ተረኪቦምሉ እዮም። ነቲ ኣብ ሕገ ኦሪት ዘገልገለ ሕጊ መሠረት ኮይኑ ዝተረክበ ናይ ምሕደራ ተግባር ሕገ ልቦና እዩ።

1.3 ናይ ደብተራ ኦሪት ምሕደራ ኣብ ሕገ ኦሪት

ኣብ ሕገ ኦሪት (ዘመነ ሙሴ) ዝነበረ መንፈሳዊ ምሕደራ ካብ ቤተ መቅደስ ሓሊፉ ሎሚ ንዘሎ ዘመናዊ ናይ ምሕደራ ትምህርቲ መሠረት ከም ዝኾነ ይእመነሉ። “እግዚአብሔር ድማ ንሙሴ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ካብቶም ኣብ ሕዝቢ ዓበይቲን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም ሰብዓ ሰብኣይ ኣክበለይ። ናብቲ ኣነ ዝርከበሉ ድንኳን ከኣ ኣምጽኣዮም፣ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም። ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ክዛረብ እየ፣ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ። ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ክገብር እየ። ንስኻ በይንኻ ከይትጾሮ ድማ ጾር እቶም ሕዝቢ ኪጾሩ እዮም።………” ዝብል ቃል ናይ ምሕደራ ተግባር ናይ ብዙኃት ሸኸም ከም ዝኾነ (ተመቓቂልካ ከም ዝስራሕ) ዘርኢ እዩ። (ዘኁ ፲፩:፲፮፳፬,1116-24)። ናይ ምሕደራ ጸጋ ካብ ኣቦታት ናብ ውሉድ ካብ ዓበይቲ ናብ ንኣሽቱ እናተመሓላለፈ ብፍቃድ እግዚአብሔር ዝወሃብ እዩ። ሎሚ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ውን ኣብ ምሕደራ ዘለዉ ብጹዓን ጳጳሳት ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ጳጳሳት ተመሪጾም ብቅዱስ ፓትርያሪክ ዝተሾሙ እዮም።

ኣብ ሕገ ኦሪት ዝነበረ ናይ መንፈሳዊ ምሕደራ ክእለት መምዘኒ ዝነበረ ምርጫ ናይ ስልጣን ደረጃታትን ናይ ስራሕ ምምቕቓል (ምምቅራሕ)ጎሊሑ ዝርኣየሉ ከም ዝነበረ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሰፊሕ ገሊጸምዎ ይርከቡ። ሰብ ከም ዓቕሙ ዝሓስበሉ ፥ከም ደረጅኡ ዝሰርሓሉ፥ ልዕሊኡ ንዘለዉ መንፈሳዊ ናይ ምሕደራ ጸጋ ዝተዋህቦም ብኣኽብሮት ተኣዚዙ ዝኸደሉ ፥ ምክብባር፥ ምትሕልላው፥ ተኣዛዝነት ዝሰፈኖ ከም ዝነበረ ናይ ሕገ ኦሪት ጀማሪ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ኩሉ ከም ዝከውን ኣብ ምግባር እሙን ዝነበረ ነቢይ ሙሴ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ብኸምዚ ይገልጾ፥

ዮቶር ድማ ንሙሴ “እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ነገር ጽቡእ ኣይኮነን። ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ሕዝቢን ክትደኽሙ ኢኹም። እዚ ነገር እዚ ንዓኻ ኣዝዮ ከቢድ እዩ እሞ በይንኻ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ እግዚአብሔር ምሳኻ ይኹን ክመኽረካ ቃለይ ስማዕ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስሌነ ሕዝቢ ኹን። ነቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሓሎም። ሥርዓታትን ሕጊጋትን ምሃሮም። ከመይ ኢልኩም ከም ዝነብርኩም እንታይ ክገብሩ ከም ዝግብኦምን ከኣ ንገሮም። ካብ ኩሉ ሕዝቢ እግዚአብሔር ዝፈርሑ እሙናት፣ ረብሓ ዓመጻ ዝጸልኡ፣ ክኢላታት ሰባት ሕረ። ንሳቶም ከኣ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሠርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኦም ሽሞም። ወርትግ ድማ ንሕዝቢ ይፍረዱ ዓቢ ነገር ዝኾነ ኩሉ ናባኻ የምጽእዎ። ንእሽቶ ነገር ዘበለ ግና ባዕላቶም ይፍረድዎ። ነቲ ጾር እንተ ኣጻወሩኻ ኸኣ ንስኻ ይፈኹሰካ።”(ዘጸ ፲፰:፲፯፳፪, 1817-22)

ነቢይ ሙሴ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦ ጸጋ “ኣብ ደብተራ ኦሪት ናይ መስዋዕቲ ኣቐራርባ ኣገባብ ፥ ናይ ካህናት ኣሸያይማን ኣለባብሳን ፥ ከምኡውን እቲ ሕዝቢ ኣብ ማኅበራዊ ናብርኡ ዝጥቀመሎም ናይ ምሕደራ ሥርዓት ቅርጺ ከም ዝሕዝ ኣብ ምግባር ዓቢይ መሠረት ዘንጸፈ እዩ። ካብ ዘመነ ሙሴ ክሳብ ዘመነ ሳሙኤል ዝነበሩ ኣቦታት ክህነት ምስ መስፍንነት ደሪቦም ናይ ቤተ ክህነትን ብሔራዊ ምሕደራን ተሸኪሞም ይሰርሑ ነይሮም።

ድሕሪ ነቢይ ሳሙኤል ክህነት ምስ መስፍንነት ደሪብካ ምምሕዳር ዋላ እኳ እንተ ተረፈ ፥ ፈሪሓ እግዚአብሔር ዝነበሮም ነገሥታት ሕዝቦም ንምምራሕ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መምርሒ መንፈሳዊ ምሕደራ ስለ ዝነበረ ዕውት ናይ ንግሥነት ዘመን ከሕልፉ ምክንያት ኮይንዎም እዩ። እስራኤላውያን ናይ ጌዴዎን ዘመን መሪሕነቱ ስለ ዘሐጎሶም ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦምዎም “ንስኻ ምርሓና፥ደቅኻ ውን ይምርሑና” (መሳ፷፥,822)። ሕዝቢ እስራኤል ናይ ጌዴዎን መሪሕነት ከሐጉሶም ዝኸኣለ መሪሕነቱ (ምሕደርኡ) ናይ ሙሴን ሳሙኤልን ይመስል ስለዝነበረ እዩ።

ኣብ መንፈሳዊ መሪሕነት ንሰብ ዝማርኾ፥ ዝገዝኦ ዘንበርክኾ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ። ፍቅሪ እግዚአብሔር ክመርሓና እንተ ዘይክኢሉ ንሰብ ሰብ ክገዝኦ ክመርሖ ኣይክእልን እዩ። ጌዴዎን ውን ዝነበሮ ነገር እንተ ነይሩ ዝገዝእ ዘመሓድር እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ኣሚኑ ኣብ መሪሕነት ዝተቐመጠ፤ ናብ ምሕደራ ዘምጽኦውን እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ኣሚኑ ዝተቐበለ፥ ስለዝነበረ ነቶም ንስኻ፥ደቅኻ፤ ደቂ ደቅኻ ይምርሑና ክብሉ ዝለመንዎ ሕዝቢ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም። “ጌዴዎን ከኣ “ኣነስ ኣይገዝኣኩምን እየ፣ ወደይ ውን ኣይገዝኣኩምን እዩ። እግዚአብሔር ደኣ ይግዝኣኩም በሎም።”(መሳ፷፥,823) ናይ ኣማሓደርቲ ኃይሎም ዕውት ዘመን ናይ መሪሕነቶም ፤ ጥበቦም ሰንደቅ ዕላምኦም ፥ ነዚ ጌሮም ከመሓድሩ እንተ ዝክእሉ ሓደ ዝሃይማኖቱ ሕዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ ፥ ሓደ ዝቋንቁኡን ሓደ ዝሃገሩን ሕዝቢ ከም ሓደ ልቢ መካሪ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ ኮይኑ ከም ዝኸይድ ኣብ ምግባር ኣይምተጸገሙን።

ምኽንያቱ ናይ መንፈሳዊ ምሕደራ ብዓወት ምውዳእ ምስጢሩ ፈቃደ እግዚኣብሔር ዝኣምን፥ፍቅሪ እግዚኣብሔር ዘለዎ፥ ሕዝቢ ናቱ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ ኣሚኑ ነቲ ካብ ኣምላክ ዝተዋህቦ ሓደራ እሙን ኮይኑ ንምፍጻም ዝተሾመ ከም ዝኾነ ኣሚኑ ካብ ዘመሓድር፥ መራሒ ዝርከብ ፍረ እዩ።

ናይ ቤተ መቅደስ ምሕደራ ውን ብሊቀ ካህናት ዝምርሑ ጉባኤ ብኣገባብ ኣብ ዝተሾመሉ ከም ዝምርሑ ኣብ ምግባር እናሰርሐ ክሳዕ ሕገ ወንጌል ኣገልግሎቱ ቀጺሉ። ሊቀ ካህናት ዝመርሖ ጉባኤ(ሎሚ ቅዱስ ሲኖዶስ )ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝእዝዝ ዝእክብ ዘመሓድር ብኣገባብ ከም ዝሰርሑ ዝገብር ዝነበረ ናይ ምሕደራ ኣገባብ ዝነበሮ ከም ዝገበረ፥ ናይ ኣመራርሕኡ ሥርዓት ውን ካብቶም ሰብዓ ሽማግለታት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ መሪሕነት ኣገባብ ብትውፊት እንዳ ተመሓላለፈ ንዝመጸ ይጥቀም ነይሩ።(ዘኁ፲፬:፲፮, 14:16)

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን (መዋዕለ ሥጋዌ)ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ግዜ ብሊቀ ካህናት ቀያፋ ዝምራሕ ሰብዓ ኣባላት ዝነበርዎ ጉባኤ እዩ ኔሩ። እዚ ሰብዓ ኣባላት ዝነበርዎ ምሕደራ ናይ ኢየርሳሌም ጉባኤ እናተባህለ ይጽዋዕ ነበረ። (ማቴ ፳፮፥፶፯፷፩, 26:57-61)። ናይ እዚ ኣባላት ኮይኖም ዘማሓድሩ ካብ ዝነበሩ ፥ ድሓር ንጎይታ ዝስዓብዎ ኒቆዲሞስ፥ናይ ኣርማትያስ ዮሴፍ ነይሮም። ከምኡ ውን ሓናን ገማልያልን ናይ እዚ ጉባኤ ኣባላት እዮም ኔይሮም። ኣብ ብሉይ ኪዳን (ኣብ ሕገ ኦሪት) ዝነበረ መንፈሳዊ ምሕደራ ብርቱዕ ስለዝነበረ ናይ ቤተ ክህነት ሓዊሱ ንቤተ መንግሥቲ ከይተረፈ ዝተርፍ ብቕዓት ዝነበሮ ስለዝነበረ ቤት መንግሥቲ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ቤተ ክህነት ኮይኑ ይእለ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕገ ወንጌል መሠረት ኮይኑ ዝተረኽበ እዩ። ነዚ ዘመናዊ ምሕደራ ፍትሓዊ ከም ዝኸውን ኣብ ምግባር ዝገበሮ ጽልዋ ውን ዓቢይ እዩ።

1.4 ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሕደራ ብሕገ ወንጌል

ናይ ሓድሽ ኪዳን ምሕደራ ጀማሪ ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሕደራዊ ስልጣን ናይ ክርስቶስ ስልጣን እዩ። ምክንያቱ ናይ ኩሉ ስልጣናት በዓል ቤት ንሱ ስለ ዝኾነ። ማቴ 28:18

ጎይታናን መድኅኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስልጣኑ፥

  • ምሂሩ (ማቴ ፯፥፳፱)

  • ኣጋንንቲ ኣውጺኡ(ሉቃ ፬፥፴፮)

  • ኃጢኣት ሓዲጉ (ማር ፪፥፲)

ዝገብሮ ዝነበረ ኩሉ ብስልጣኑ የግብሮ ኔሩ። ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣመሓደርቲ ብመገዲ ሓዋርያት ጌሩ ስልጣኑ ሃቦም። ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ብክርስቶስ ዝተላእኩ ስለ ዝነበሩ ናይ ክርስቶስ ሥልጣን ኔርዎም። (ማቴ ፳፰:፲፰, 28:18-20)

ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን መሪሕነት ኣብ ዝነበሩሉ ዓበይቲ ግብሪታት ጌሮም እዮም።

  • ትምህርተ ሃይማኖትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓትን (ቀኖናን) ሓጊጎም። ሕዝቢ ክገብሮ ዝግባእ መንፈስ ቅዱስ ምስኦም ከም ዝኾነ ኣረጋጊጾም ውሳኔታት ኣመሓላሊፎም ።(ሓዋ ፲፭:፳፱15:29)

  • ሓሰውቲ መምሃራን ተመኺሮም ክምለሱ ዘይካኣሉ ካብ ቤተክርስቲያን ከም ዝፍለዮ ጌሮም። (ሓዋ :,5:6 ማቴ 10:18)

  • ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊን ማኅበራዊን ኣገልግሎት ሙሉእ ከም ዝኸውን ንምግባር ብሕዝቢ ንዝተመርጹን ብጽቡቅ ኣገልግሎቶም ንዝተመስከረሎም ብኣንብሮተ እድ ማዓርግ ሂቦም።( ሓዋ :፲፮, 6:1-16)። ነቲ ስራሕ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ድማ ንሳቶም እዮም።

  1. ዓለምለኻዊ ቅዱስ ሲኖዶስ

ናይ ቤተክርስቲያን ሰላምን ሓድነትን ኣብ ሓደ እምነት ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳት፥ ኤጲስ ቆጶሳት ዝገብርዎ ጉባኤ እዩ። ነዚ ከም ኣብነት ኮይኖም ክግለጹ ዝግባእ ብዙኃት ጉባኤታት ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ተገይሮም እዮም። ድሕሪ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ኣብ መበል ፶ ዓመተ ምሕረት ኣብ ኢየርሳሌም ዝተገብረ ጉባኤ ሓዋርያት ካብቶም ናይ መጀመርታ ተጠቀስቲ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ዘመናት ተሳጊራ ብዙሕ ናይ ስደትን ሰማዕትነትን ገጻት ሓሊፋ ኣብ ናይ ሰላም ዘመን ምስ በጽሐት ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ኣጽናፋውያን ዝኾኑ ሠለስተ ጉባኤታት ከም ኣድላይነቱ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ጌራ እያ። ንሳቶም ድማ፥

  • ጉባኤ ኒቅያ ኣብ 325 .

  • ጉባኤ ቁስጥንጥንያ ኣብ 381 .

  • ጉባኤ ኤፌሶን ኣብ 431 .ም ዝተገብሩ እዮም ።

እዚኣቶም ኣጽናፋውያን ጉባኤ ሲኖዶስ ተባሂሎም ይፍለጡ። ኣብተን ጉባኤታት ዝተሓገጉ ሕግታት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ፥ ዝተወገዙ መናፍቃን፥ ብሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ማዕከላዊ ምሕደራ ብዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተወሰኑ ስለዝኾኑ ናይ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዮም ኔሮም። ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ኩሉ ኣጽናፍ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ከም ትሕዝ ኣብ ምግባር ምሕደራኣ ቅርጺ ከም ዝሕዝ ኣብ ምግባር ውሳነ ዘመሓላለፍሉ እዮም።

ብሔራዊ ቅዱስ ሲኖዶስ

ብሔራዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብሓደ ሲኖዶስ ዝመሓደር ብሓደ ቅዱስ ፖትርያሪክ ሊቀ መንበር ዝምራሕ ናይ ሊቃነ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ጉባኤ እዩ። ብሔራዊ ሲኖዶስ ዝምራሕ ኣሐት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኤርትራ ሲኖዶስ፤ ናይ ግብጺ ሲኖዶስ ፤ናይ ኣርመን ሲኖዶስ፣ ናይ ህንዲ ሲኖዶስ ናይ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ናይ ሶርያ ሲኖዶስ እየን። ናይ ኤርትራ ኦርተዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ውን ርእሳ ዝኸኣለት ብሔራዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘለዋ ሃገር ንምዃን በቒዓ እያ። ናይ ዝኾነት ሃገር ሲኖዶስ ብሔራዊ ሲኖዶስ ክብሃል እንተ ኮይኑ እቲ ሲኖዶስ ኣብታ ዝውከላ ሃገር ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ማእከል ኣመንቲ (ቤተ ክርስቲያን )ዘላቶ ኮንካ እምበር ብሪሞት ዘመሓድር ቅዱስ ሲኖዶስ የለን።

ይቕጽል