home ዜና ቤተክርስቲያን ኣብ ከተማ ኒውሻትል ስዊዘርላንድ ታቦት ኣቡነ ገብረመንፈስቅዱስ ኣትዩ።

ኣብ ከተማ ኒውሻትል ስዊዘርላንድ ታቦት ኣቡነ ገብረመንፈስቅዱስ ኣትዩ።

 

ብዕለት ፪ ሰነ ፳፻ ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(09 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ኣብ ከተማ ኒውሻትል እትርከብ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያን ሓድሽ ታቦት ኣትዩላ። ብመርሒነት ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ግቡእ ናይ ስርዓተ ምእታው ታቦት ድሕሪ ምፍጻሙ:ሊቃውንት ነዚ ናይ መመረቕታ ዕለት ብዝምልከት ማህሌት ኣብጺሖም፡ድሕርዚ ድማ ቅዳሴ ድሕሪ ምክያዱ ማዕዳን ኣስተምህሮን ድሕሪ ምሃብ ፡ናይቲ ዕለት መደብ ተፈጺሙ።
ኣገልገልትን ምእመናን ናይዚ ቤተክርስቲያን፥ንነዊሕ እዋናት ታቦት ብዘይምንባሮም ይሽገሩ ከም ዝነበሩን ሕጂ ግና ነቲ ዝነበሮም ጸገም ተፈቲሕሎም ታቦት ብምርካቦም፡ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም። ነቲ ዝተገብረሎም፡ ድማ ንምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ምስጋንኦም ገሊጾም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *