home ዜና ቤተክርስቲያን ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ኣብ ከተማ ማግደቡርግ ሓድሽ ታቦት መድኃኔ ዓለም ኣትዩ

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ኣብ ከተማ ማግደቡርግ ሓድሽ ታቦት መድኃኔ ዓለም ኣትዩ

ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ፡ ምእመናን ኣብ ዘለውዎ ቦታ ብጉቡእ ንኽግልገሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ዝህቦ ዘሎ ታቦታት፡ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን ፡ ውን ኣብ ከተማ ማግደቡርግ እትርከብ ማሕበረ ምእምናን መድኃኔ ዓለም ታቦት የእትዩ።

 

ኣብቲ ብዕለት ፲፯-፲፰ ጥቅምት ፳፻ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(27-28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ፈረ ዝተፈጸመ ስርዓት ምእታው ታቦት ፡ ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ ብቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ሃብተማርያም ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝተመርሐ ጸሎት ተጀሚሩ። ኣብዚ ዕለት ከም ስርዓት ምእታው ታቦት ብኣርባዕተ ማእዝን ናይ ጸሎትን ቡራኬን ስርዓትን ድሕሪ ምፍጻሙ፡ንዕኡ ዝበቅዕ ዝማሬ ብውሉደ ክህነትን ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን በጺሑ፡ ድሕርዚ ፡ ናይ መንእሰያት ጉባኤ ትምህርቲ ሰንበት ድሕሪ ምጅማሩ፡ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ናይዚ ጉባኤ ትምህርቲ

 

ብምሃብ፡ ኣባታዊ ማዕዳን ቡሩኬን ድሕሪ ምሃቦም ናይ ዕለተ ዓርቢ መርሃ ግብር ተፈጺሙ። ድሕሪዚ መንፈቀ ሌሊት እትነሣእ ከመ እግነይ ለከ በእንተ ኵነኔ ጽድቅከ ከም ዝብል ልበ ኣምላክ ዳዊት፡ ብሊቃውንት ዝተመርሐ ማህሌት ፍርቂ ለይቲ ድሕሪ ምጅማሩ ንዕለቱ ዝኸውን ስርዓተ ማህሌት በጺሑ ፡ ካብኡ ቀጺሉ ስርዓተ ቅዳሴ ብኣባ ሃብተወልድ ዝተመርሐ ድሕሪ ምክያዱ ፡ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ብኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን፡ ” ኣብ ማእከልኩም መታን ክነብር መቅደስ ስርሑለይ ” ዘጽ 25፥8 ብዝብል ርእሰ ትምህርቲ ናይ ዕለቱ ስብከተ ወንጌል ሂቦም። ድሕርዚ ቡራኬን ማዕዳን ብኣባ ሃብተወልድ ምስ ተዋህበ፡ ዑደት ብምግባር ናይ ዕለቱ ፍጻሜ ኮነ። ኣብዚ በዓል ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ስፍራ ናይ ጀርመን ዝመጹ ምእመናንን ኣገልግለትን ተሳቲፎም።
ክልል ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ማደግቡርግ ልዕሊ 300 ምእመናን ዘለውዎ፡ ኮይኑ፡ ብሕግን ስርዓትን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ተመሪሑ ዝኸይድ ክልል እዩ።

እዚ ከምዚ እንከሎ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ዝርከባ ክልል ሰበኻ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ብሮቢ፡  ከምኡ ውን ክልል ሰበኻ ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ከተማ ኖርሾፒን ታቦት ኣትይወን ኣብ ንጡፍኣገልግሎት ይርከባ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *