home Uncategorized ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ፡ ከተማ ቮልዳ፥ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ብወግዒ ኣትዩ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ፡ ከተማ ቮልዳ፥ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ብወግዒ ኣትዩ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ፡ ኣብ ከተማ ቮልዳ እትርከብ ማሕበረ ምእመናን ቅዱስ ሚካኤል ፡ ብዕለት ፲፫ ሚያዝያ ፳፻ ወ ፲ ( 21 ሚያዝያ 2018 )ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኢል ታቦት ብወግዒ ኣትዩ። ካብ ዋዜማ፡ከም ስርዓት ቤተክርስቲያን መሰረት ብኣርባዕቲኡ መኣዝናት ቡሩኬን ንዕኡ ዝምልከት ጸሎትን ስብሓታትን ድሕሪ ተፈጺሙ፡ ቀጺሉ ፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መደብ ኣቕሪቦም፡ ድሕሪዚ ብሊቃውንት ዝተመርሐ ማህሌት በጺሑ፡ ስዒቡ ቅዳሴ ምስ ተሰሪዑ ምስ ተፈጸመ፡ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ንዕለቱ ብዝምልከት ትምህርተ ወንጌል ሂቦም፡ ካብኡ ቀጺሉ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፡ ብክብ ዝበለ ድምቀት ናይቲ ዕለት ስርዓተ ምእታው ታቦት ብፍቃድ እግዚኣብሔር ተፈጺሙ፡ ኣብዚ ቦታ ቅድሚ ሕጂ ታቦት ብዘይ ምንባሮም ብዙሕ ይሽገሩ ከም ዝነበሩን ፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዘለዎ ክኸዱ ድማ ነዊሕ ሰዓታት ይጎዓዙ ከም ዝነበሩን ፡ ሕጂ ግና እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ስለ ዝኾነን ፡ ሃገረ ስብከት ድማ ነዚ ዘለና ጸገማት ኣብ ግምት ኣእትዩ ፡ ፍታሕ ስለ ዝገበረሎም ኣመስጊኖም። በዛ ቤተክርስቲያን ዝግልገሉ ምእመናን ካብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ዝመጹ ምዃኖም ይፍለጥ።

ወግዓዊት ጋዜጣ ናይዛ ከተማ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዓምድታታ ከም ዘስፈረቶ  ክንፈልጥ ክኢልና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *