home ዜና ቤተክርስቲያን ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላድ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላድ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላድ፡ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ናይ 17 ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ማሕበረ ምእመናን፡ዝተረኽብዎ፡ ብዕለት ፫ ሰነ ፳፻ ወ ፲ ዓ.ም ግዕዝ(10 ሰነ 2018 ዓ.ም. ፈረ. ) ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኒውሻትል ተኻይዱ።
ኣብቲ ብመርሒነት ሃገረ ስብከት ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ጸብጻቦም፡ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ኣቕሪቦሞ። ብመጀመርታ ንምምሕዳራዊ ጸብጻብ ብዝምልከት ዋና ጸሓፊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊዘርላንድ መርጌታ ኣማን ኣቕሪቡ፡ ኣብቲ ጸብጻብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘለውኦ ህልው ኩነታትን፡ ምስ ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ዘለወን ሰንሰለታዊ ናይ ስርሕ ዝምድናን፡ ሓሓሊፎም ዘጋጥሙ ዘነበሩ ጸገማትን፡ ንምፍታሖም ዝተወስደ ስጉምትን ካልእን ተገሊጹ፡ካብኡ ቀጺሎም ኣባላት ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ዝኾኑ ኣቶ ኣድሓኖምን ኣቶ ኣለምን ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ኣቕሪቦም። ድሕርዚ ተጋባእቲ ዝነበሮም ሕቶታት ሓቲቶም፡ ብንኡስ ሃገረ ስብከት ድማ ኣዕጋቢ ዝኾነ መልሲ ተዋሂብዎም።
ካብኡ ቀጺሉ ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት ቀሺ ዘርእሠናይ ብወገን ሃገረ ስብከት መግለጽን፡ መብርሂ ዘድልዮም ጉዳይትን ተዋሂቡ። ቆሞስ ሃብተወልድ ውን ንምዕዳል ታቦታትን ኣተሓሕዝኡን ፡ካልእን ብዝምልከት፡ ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቦም።
እቲ ካልኣይ መደብ ናይዚ ጉባኤ ዝኾነ ፡ሓድሽ ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተኻይዱ። ብእኡ መሰረት ንሰለስተ ዓመታት ብትግሃት ክገልግሉ ንዝጸንሑ 5 ኣባላት ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ዝትክእዎም ካብ 2 ካብ ውሉደ ክህነት 2 ካብ ምእመናን፡ ከምኡ ውን ሓደ ካብ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ተመሪጾም። ድሕሪዚ ኩሉ ተጋባኢ ኣብ ስራሕ ንዝጸንሑ ንኡስ ሃገረ ስብከት ብምስጋና ብምፍናው፡ ነቶም ሓደስቲ ድማ ብሕግን ስርዓትን ቤተክርስቲያን ተመሪሖም ብትግሃት ንኸገልግሉ፡ እግዚአብሔር ክረድኦም ምንዮቶም ገሊጽሎም።ኣብ መወዳእታ መዕጸዊ ጸሎት ድሕሪ ምብጽሑ ናይቲ ዕለት ጉባኤ ብሰላም ተፈጺሙ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *