home ዜና ቤተክርስቲያን ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ሽወደንን ነዘርላንድስ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተኻይዱ

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ሽወደንን ነዘርላንድስ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተኻይዱ

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ከምኡ ውን ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ነዘርላንድስ ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከትን ተኻይዱ።
ኣብ ክልቲኡ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ብተመሳሳሊ መጀምርታ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጸብጻብ ናይ ስርሖም ኣቕሪቦም። ጉባኤኛታት ድማ ዝነበሮም ሕቶታትን፡ርእይቶታን እፍሲሶም። ካብኡ ብምቕጻል ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዘገልገሉ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዕድመ ናይ ኣገልግሎቶም ስለ ዝኣኸለ፡ ብመሪሕነት ሃገረ ስብከት ምርጫ ተኻይዱ። በዚ መሰረት 2 ካብ ውሉደ ክህነት 2 ካብ ምእመናን፡1 ካብ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ተመሪጾም፡ ንዝቕጽል 3 ዓመታት ድማ ከመሓድሩን ክኣልዩን እዮም። ኣብዚ ጉባኤ ኣባላት ሃገረ ስብከት፡ንኡስ ሃገረ ስብከት ከምኡ ውን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ናይ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ማሕበራትን ተረኺቦም ነይሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሃገረ ስብከት ከም መቐጸልታ ናይቲ ሕዝቢ ኣብ ከባቢኡ ግቡእ ኣገልግሎት ንኽረክብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ነዘርላንድስ ኣብ ከተማ ኣልክማር እትርከብ ማሕበረ ምእመናን ኣቡነ ኣረጋዊን ከምኡ ውን ኣብ ከተማ ኡትረኸት እትርከብ ማሕበረ ምእመናን ቅድስት ማርያም ጉቡእ ስርዓተ ተቀብኦ ብምግባር ቅዱስ ታቦት ኣኣትዩለን።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን 41 ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ነዘርላንድስ ድማ 12 ዝኣኽላ ኣብ ትሕቲ ጽላል  ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝመሓደራ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማሕበረ ምእመናን ይርከባ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *