home ዜና ቤተክርስቲያን ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ብሮቢ ኣትዩ

ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ብሮቢ ኣትዩ

ኣብ ሃገረ ሽወንድ ኣብ ከተማ ብሮቢ ብማኅበር ተጠርኒፎም ክግልገሉ ንዝጸንሑ ምእመናን ብዕለት 12/02/2017 ዓ.ም. ፭ የካቲት ፳፻ወ፱ ዓ.ም ታቦት ናይ ቅዱስ ገብርኤል ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓት ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኤውሮጳ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን ኣቦ መንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ዝተረክቡሉ ኣትዩ ።image-0-02-05-bda2789ec16c6464ee18c4def795e29eccc010ce300e9347600f526047e99b58-V

እዞም ልዕሊ 200 ዝኾኑ መእመን ዝተጠረነፈት ማኅበር ብመምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስን ብሕጊን ሥርዓትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ተማእዚዞምን ብምምእከል ከም ዝከዱን ዘረጋግጹ ብኣላይነት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሸወደን ክእለዩ ዝጸንሑ እዮም። በቲ ዕለቱ ” ወተቀበልዋ ለታቦት ኣብዕዋ ኣብዕዋ ኢየሩሳሌም ” ብማለት ንእግዚኣብሔር እንዳመስገኑ ታቦት ምስ ኣተወ መደባት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ከሙኡ`ውን ብሊቃውንት ኣቦታት ማሕሌት ቀጺሉ ቅዳሴ ብምእራግ ክብ ብዝበለ ተኸቢሩ ዊዒሉ።

ኣብዚ ሥርዓተ ምእታዉ ታቦት ዝተፈጸመሉ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገረ ሽወደን ዝመጹ ሊቃውንቲ ውሉደ ክህነት መዘምራን ትምህርቲ ሰንበት ምእመናን ተሳቲፎም።image-0-02-05-2dda42dbf7a7b6baaad41c5de14d6081ee3f90d678b1843ea65dc5be58a5f0f6-V

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *