home ስብከት ብርሃን ይኹን በለ ብርሃን ድማ ኮነ

ብርሃን ይኹን በለ ብርሃን ድማ ኮነ

መስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ቅርጺ ዘይብላ ባዶ ነበረት። ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብማዕበል ዝናወጽ ማዓሙቕ ባሕሪ ሰፊኑ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕ ሊ፣ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ሽዑ እግዚአብሔርብርሃን ይኹንበለ። ብርሃን ድማ ኮነ። እግዚአብ ሔርድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። እግዚአብሔር ከኣ ንብርሃንን ንጸልማትን ፈለዮም ። እግዚአብሔር ድማ ነቲ ብርሃንማዓልቲ ኢሉ ሰመዮ፡ ነቲ ጸልማት ከኣለይቲኢሉ ዓሰመዮ ምሸት ኮነ፡ ብጊሓትውን ኾነ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲዘፍ 11-5

መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ወይውን ኣካላዊ  ቃል ንመጀመርታ ግዜ  ዝተዛረቦ ቃል ብርሃን ይኹን ዝብል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ መወዳእታ ሕይወት  ዘመኖም ዝዛረብዎ ቃል  ኣይርሳዕን ብጽኑዕውን  ይሕሎ፡፡ ብሕይወት ድሕሪ ምንባሮም ነዛ ዓለም ክሰናበትዋ ከለው ዝዛረብዎ  ቃል ናይ  ሙሉእ  ሕይወቶም  ገጻት ዘርኢ  ናይ ናብርኦም ፍረ ዝገልጽ እዩ።  ንኣብነት ኑዛዜ  እንተ  ወሲድና ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ደመኝነት ይኹን ይቕሬታ ክሳብ መወዳእታ ዝሕለወሎም ብክብሪ ዝስምዑሉ ቃሎም እዩ፣ክሳብ መወዳእታ ድማ ኣይርሳዕን። ናይ መጀመርታ ቃሎም ግን ዝጸንዐ ኣይኮነን፡ንምንታይ እንተ ኢልና ንቃሎም ዝፍትን ናብራ ኣብ ቕድሚት ስለዘሎ እዩ፡፡ ነገሥታት ንሕዝቦም ብዙሕ ተስፋ ይህቡ ኣብ መወዳእታ ግን ወይ ብቃሎም ይጥዓሱ ወይ ውን ኣብቲ ዝተዛረብዎ ኣይጸንዑን።ስለዚ ደቂ ሰባት ዝእመነሎም ቃል ናይ መወዳእታ ዘረብኦም ኮይኑ ማሕተሙ ድማ ሞት እዩ።

እግዚአብሔር ግን ናይ መጀመርታ ቃሉ እሙን እዩ፡ማሕተሙ እንታይ እዩ እንተ ኢልና ድማ ናይ ሕያውነቱ ተኣማንነት እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንመጀመርታ ግዜ ዝተዛረቦ ብርሃን ይኹን ዝብል እዩ።

ኦሪት ዘፍጥረት ኦሪት ዘልደትውን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ዓለም ኣፋጣጥራ፡ ናይ ደቂ ሰባት ምፍጣር፡ናይ ኃጢኣት ውድቀትን ውጺትን ዝትርኸልና፡ ናይ መጀመርያ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ኦሪት ዘፍጥረት እዩ፡፡ ኦሪት ዘፍጥረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ታሪኽናውን መእተዊ እዩ። ስለዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ ናትና መእተዊ እዩ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መደምደምታ ናትና መወዳእታ ሕይወት እዩ።

ነዚ እዩ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ብላዕ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ። ምኽንያቱ ቃሉ ካብ ምስማዕ ሓሊፉ ዝብላዕ ቃል እዩ፡ ዝብላዕ ነገር ምስ ውሽጥና ተዋሃሂዱ ሕይወት ይህበና። ዝተመረዘ እንተ ኾይኑ ድማ ይቀትለና፡ ንምንታይ እንተኢልና ስለ ዝዋሃደና እዩ። ስለዚ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ምስ ውሽጥና ተዋሃሂዱ ሕይወት ዝበና ቃል እዩ።

ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክጽናዕ ከሎ ኩሉ ግዜ ዝንገር ነገር ኣሎ::ንሱ ድማ እግዚኣብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድረን ፈጠረ ዝብል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚአብሔር ኅልውና ንከረድእ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኣይኮነን፡ ነዚ እዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ቁጽሪን ገጽን እግዚአብሔር ኣሎ ኢሉ ዘይጅምር። ኣብ ናይ እግዚአብሔር ኅልውና ተመሥሪቱ እግዚአብሔር ዝሰርሖ ነገር ብምዝራብ ይጅምር።

ነቢይ ዳዊት “ዓሻ ሰብ ብልቡ ኣምላክ የሎን ይብል” ክብል ይገልጽ ። ምስራሕ ዘይፈቱ ትእዛዝ ዘይፈቱ ማለት እዩ። ንዓሻ ሰብ ምስራሕ ሞቱ ምእዛዝውን ጭንቀቱ ፡ ጣዕሳኡ እዩ። ስለዚ ኣዛዚ ኣምላክ የለን እንተ ኢለ ሕጉ ብምፍራሰይ ጣዕሳ ኣይክህልወንን እዩ ኢሉ ብምሕሳብ እግዚአብሔር የሎን ይብል። ከምዚ ምባሉ ነቲ ዝገብሮ ኃጢኣት ብድፍረት ንምስራሕ ምእንቲ ክኽእል ኢሉ እዩ። ከምቲ ተዛረብቲ ዝብልዎ “የለን ዝብል ክርክር ዝወለዶ ንዘሎ ነገር እዩ” ንዘየለ ነገር ኣሎ የለን ኢልካ ምክርኻር ልሙድ ኣይኮነን።

ዓሻ ኣብ መደቀሲኡ ኮይኑ ንምውራድ ሙቀት እንዳ ሸገሮ ካብ ኃጢኣት ንምልቃቅ ግዚያዊ ሓጎስ እንዳ ኣታለሎ እንደገናውን ሕልና ናይ እግዚኣብሔር ወኪል ስለዝኾነ ስቅ ኣይብሎን እዩ። ምክንያቱ ሕልና ናትና ኣይኮነን። ሰብ እንተ ዝክእል ንሕልናና ናይ ባዑሉ ምገበሮ ግን ኣይከኣለን። ስለዚ ሕልና ብውሽጡ ከጨንቆ ምስ ጀመረ የለን ዘይብል ኢሉ ስለ ዝሓስብ ዓሻ ብልቡ ኣምላክ የሎን ይብል ተባሂሉ ተጻሒፉ።

እንተ ኾነ ግን ናይ እግዚኣብሔር ህልውና ኣብ መጻሕፍቲ ዝተጻሕፈ ዘይኮነስ ኣብ ልብና ዝተቀርጸ እዩ። እግዚኣብሔር እንተ ዘይሃልዩ ንሕናውን የሎናን እግዚኣብሔር እንተ ሃልዩ ግን ንሕናውን ኣሎና።”

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርታ ግን ናይ እግዚኣብሔር ስርሑ ተግባሩ ብምጅማር እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድረን ፈጠረ ክብል ጀሚሩ። ትሕት ኢልና እንተ ኣንቢብናዮ እዚውን ንሰብ ኢሉ ከም ዘዳለዎ የረድኣና። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናይ ነገሥታት ፡ መኳንንቲ መንበሪ ገዛ ላዕልን ታሕትን በዓል ሓደ ደርቢ እዩ። ታሕተዋይ ኣጋይሽ መቐበሊ ፡ብመዓልቲ ዝመጸ ብማዓልቲ ዝፋነወሉ እዩ። ናይ ምሸት ድማ ምስቶም ዝተረፉ ቤተሰብ ዝዕረፈሉ ክዳን ዝቕተረሉ ምስቲ ናይ መጨረሽታ ጋሻ ዝኽወነሉ ላዕለዋይ ገዛ እዩ።

እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝፈጠሮ ሰማይ ምድርን፡ ምድሪ ታሕተዋይ ገዛ ሰማይ ድማ ላዕለዋይ ገዛ ገይሩ ፈጠረሉ። ምድሪ ታሕተዋይ ገዛ ጋሻ ንቕበለላ ብማዓልቲ ዝመጸ ብማዓልቲ ዝፋነወላ፡ ካብ ሓቂ ንላዕሊ ቡዙኅ{ ምስሉይነት} ዝበዝሓ እያ። ናይ ምሸት ገዛና መዕረፊና ግን ኣብ ሰማይ እዩ። ሓቀኛ ዕረፍቲ ዘሎ ኣብ ሰማይ እዩ። ክዳና ዝቅየረሉ፡ብምትእምማን ንድቅሰሉ፡ቀጻልነት ዘለዎ ዕረፍቲ ዝርከበሉ ኣብ ሰማይ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ነገራት ንምንታይ ይኸብዱና ይመስለኩም፤ ናይ ሕይወት ፈተና ካብ ቅድሜና ዝነበሩ ትውልዲ ኣብ ዘመንና ከቢድ ስለዚኾነ ዘይኮነስ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ከም ኣጋይሽ ኮይና ክንነብር ዘይምኽኣልና እዩ። ንምድሪ ከም ዘለዓለማዊት ገዛ ቆጺሩ ዝነብር ሰብ ካብ ገዝኡ ሓንቲ ኣቕሓ እንተ ተላዒላ ጭንቀት ይጅምር ፊንስትራ ክነቓነቕ እንተ ጀሚሩ ክርበሽ ይጅምር። ምኽንያቱ ንምድሪ ከም ዘለዓለማዊት ገዝኡ ገይሩ ስለዝሓሰባ እዩ። ንምድሪ ከም ግዚያዊት መንበሪትና ጌርና እንተ ቆጺርናያ ግን ኣብ ድንኳን ኮንካውን ይሕለፍ እዩ። ስለዚ ምድሪ ናይ መዓልቲ ገዛና እያ። ብጀካ እቶም ብዘለዓለማዊ ናይ ሕይወት ተስፋ ዝተጠቕለሉ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ ካልኦት ናይ መዓልቲ ኣጋይሽና እዮም። ናይ ምሸትን ቀጻልነት ዘለዎም ፈተውትና ግን ብእግዚአብሔር ዝተዛመድናዮም መንፈሳውያን ቤተሰብ ጥራሕ እዮም። ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ወለዶ ኅብረት ናይ ወለዶ ማህጸን ፡ናይ ወለዶ መባዝሒ ዝኾነ ሓዳር እኳ ብዘለዓለማዊ ሓዳር ክሳብ ዘይተባዝሐ ግዝያዊ እዩ። ደቂ ሰብ ከም ክእለቶም ቀዳማይ ደርቢ ይሰርሑ ፡ እግዚኣብሔር ድማ ብአምላኽነቱ ሰማይን ምድረን ሰርሐ።

ትሕት ኢልና ከም ንርእዮ ዓለም ዝተፈጥረት ጥራይ ዘይኮነትስ ብሥርዓት ውን ዝተዳለወት እያ። ጸሓይ ብጎኒ ኣይኮነትን ምክንያቱ ብርሃን ወሃቢት ስለዝኾነት ኣብ ላዕሊ እያ ተቀሚጣ። ንከምዚ ዓይነት ኣቀማምጣ ወዲ ሰብ ክፈጥሮ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዛ ዓለም ዝፈጠራ ጥራይ ዘይኮነ ምልክዕቲ ጌሩ ዘዳለዋ ኣምላክ ኣለዋ። የለን ዝበሉ ሎሚ የለውን ንሱ ግን ንዕዖም የሕሊፉ ብክብሩ ኣሎ። ንሱ ብግርምኡ ብቅድስንኡ ኣሎ፡ የሎን ዝበሉ ግን ነንሕድሕዶም እኳ ምስምማዕ ስለዘይከኣሉ ተዋዲኦም ሓሊፎም። ፍልስፍና ፤ናይ ሓባር ኣታሓሳስባ፤ ርእዮተ ዓለም የጣፍእ ደኣ እንበር ኣየፋቅርን እዩ።

ሰማይን ምድርን ክፍጠር ከሎ፡ ባዶ ነበረ፡ እዚ ማለት ኣብ ላዕሊ ሰማይ ብዘይ ከዋክብቲ ፡ጸሓይ ፡ወርሒ። ምድሪ ድማ ብዘይ ኣዝርእቲ ኣትክልቲ እንሰሳታት ኣራዊት ባዶ ነበረ። ብድሕሪዚ እዩ እቲ ሰኣሊ ንኩሉ በብቦቱኡ እንዳ ኣቀመጠ ከመልክዖ ዝጀመረ። ምክንያቱ ኩላትናውን እንተኾነ ገዛ ከይተሰርሐ ንብረት ኣምጺእና ናብቲ ገዛ ኣይነእትዎን ኢና። ስለዚ እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ሰማይን ምድርን ምስ ሰርሐ ብድሕሪዚ ነቶም ኣቕሑ ኣብ በቦትኦም ከቐምጦም ጀመረ። ነዚ ከዳሉ ከሎ ግን ንሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ንምስራሕ ብዙሕ ጻዕርን ሓገዝን ከም ዘየድልያ ኣዳሊዩዎ እምበር ብዙሕ ደኺሙ ተጨኒቁ ዝገበሮ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ኃይሉ ድኻም ዘይብሉ ፍጹም እዩ።

“እዛ ዓለም ብኃያል ኢድ ዝተሰርሐት ጥራሕ ይኮነትን ብኣዝዩ ጥበበኛ ዝኾነ ኣምላክ ዝተዳልወትውን እያ። ልክዕ እዩ ኃያል ኢድ ውቅያኖሳት እንባታት ክምዘኑ ዘይክእሉ ነገራት የዳሉ። ጥበበኛ ዝኾነ ኢድ ድማ የመልክዖም። ስለዚ እዛ ዓለም ኃያል ኢድ ጥራሕ ዘቀመጣ ፍጥረት ኣይኮነት ጥበበኛ ኢድ ቐመጣ ናይ ጥበበኛ ዓሸራ ዝንበበላ ናይ ሕይወት መጽሓፍ ውን እ“።

ናብ ዓሚቕ ዝኾነ መንፈሳዊ ሕይወት ንምእታው እንተ ደሊኹም ካብ ክለተ ነገራት ምምሃር እዩ ዘድልየኩም።

  • ካብ እግዚኣብሔርን
  • ተፈጥሮን ምምሃር፤

ንእግዚኣብሔር ጽን ምባል ንተፈጥሮ ድማ ከነንብቦም ምኽኣል ናብ ዓሚቕ ዝኾነ መንፈሳዊ ሕይወት ተመስጦ ናብ ዘለዎ ኣምልኾ ዓሚቕ ናብ ዝኾነ ምርምር የብጽሓኩም። ቅዱስ ኤፍሬም ከም ዝበሎ “ኣርባዕተ ብኣርባዕተ ዝኾነት ገዛ ናይ ሕይወት ትምህርቲ ክመሃር ኣይክእልን መላእ ዓለም ናይ መምሃርየይ ክፍሊ እዩ ” ክብል ይገልጽ።

ስለዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣርባዕተ ኣርባዕተ ካብ ዘኾነት ገዛ ናይ ሕይወት ቁምነገር ምርካብ ኣይካልን እዩ። መላእ ዓለም ናይ መምሃሪየይ ክፍሊ እዩ። መምህር እግዚኣብሔር እዩ። ሰሌዳ ልብና ቀለ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ናይቲ ድርሰት ናይ መወዳእታ ጽሑፍ እግዚኣብሔር ፍቅሪ እዩ ዝብል እዩ። ስለዚ ናይ መምሃሪ ክፍልና ዓለም መምህር እግዚኣብሔር ብራና ልብና መንፈስ ቅዱስ ቀለም ናይቲ ጽሑፍ ናይ መወዳእታ ንባቡ እግዚኣብሔር ፍቅሪ እዩ ዝብል እዩ።”

እግዚኣብሔር ነዛ ዓለም ፍቅሩ ንምግላጽ ዳኣ እንበር ኃይሉ ንከርኢ ዝፈጠራ ዓለም ኣይኮነትን። እግዚኣብሔር ነዛ ዓለም ዝፈጠረሉ ቀንዲ ምኽንያት ንሰብ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅሮ መለክዒዑ ንምግላጽ እዩ። ኣብቲ ዝደለዮ ድማ ከሕልፋ እዩ። እቲ ዝገረም ግን ምስ ሓለፈት ድክነት፤ ናይ ኢኮኖሚ ምንቁልቋል፡ ኣይከጋጥምን እዩ። ድሕሪ ምሕላፍ ፍጥረታት ወዲሰብ ግን ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወሉ ዝበለጸ ሥፍራ ክሰጋገር እዩ። ኣምላኽና ግን ከመይ ዝበለ ኣምልኽ እዩ!!!

ፍጥረታት ክፈጥሮም ከሎውን ዘማኸሮ ወይውን ዝሓገዞ የለን። መላእኽቲውን እንተኾኑ ኣየማኸርዎን። ሓጋዚ ዘየድልዮ ኣምላክምክሪ ዘየድልዮ መኻሪ፤ ክቅዳሕ ዘይከል ጥበበኛ ይሉ ዘይደክም ያል ብዘመናት ዝሸምገለ እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይ ምድርን ፈጠረ”። ብድሕሪ እዚ ንምድሪ ሠለስተ ዓበይቲ ጸገማት ተረኽብዋ። ነቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጸገም ድማ ክፈትሖ ዝኽእል ኣይነበረን። ቁጽሪ ክልተ ከምዚ ይብል

” ምድሪ ቅርጺ ዘይብላ፤ ባዶ ነበረት። ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብማዕበል ዝናወጽ ማዓሙቕ ባሕሪ ሰፊኑ ነበረ”።

ስለዚ ድማ ምድሪ ሠለስተ ጸገማት ነበራ፡፡ንሳቶም ድማ

፩. ቅርጺ ኣልቦ

፪. ባዶ ምዃን

፫. ድቕድቕ ጸልማት እዮም።

ምድሪ ባዶ ነበረት፤ ናይ ምድሪ ባዶ ምዃን ዓቢ ጸገም እዩ። ኣዝረእቲ ፡ ኣትክልቲ ዘይበላ ጥርሓ ነበረት፡ ጥርሓ ምዃና ክሳብ ክንደይ ዓቢ ጸገም ከም ዝኮነ እስኪ ሕሰቡ!!! ኣብ ልዕሊ ጥርሓ ምኻና ድማ ቅርጺ ኣልቦ እዚ ማለት መልክዕ ዘይነበራ ነበረት፡ ብተወሳኺ ውን ብጸልማት ዘተዋሕጠትን ዝተጎብጠትን ነበረት። ስለዚ እዞም ኣዝዮም ብርቱዓት ዝኾኑ ጸገማት ክልተ ሰራሕተኛታት ይጽበዩ ነበሩ። ንሳቶም ድማ እግዚኣብሔር ወልድን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን እዮም። እግዚኣብሔር ወልድ ናይ ሕይወት ቃል ኣዋጅ ነጋሪ እዩ፡ ስለዚ ንሱ ብርሃን ይኹን ዝበለ እዩ።

እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝንቢ ዝነበረ እዩ። ናይዚ ሠለስተ ዓበይቲ ናይ ምድርና ጸገም ብኸመይ ይፈታሕ ዝብል ሕቶ መልሱ ዘሎ ኣብ ናይ እግዚአብሔር ወልድ ምዝራብን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ጥራሕ እዩ ነይሩ።

  • ዓለም ንምፍጣር እግዚኣብሔር ኣብ ሓሲቡ፤ ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ኣብ ንሥላሴነት ልቢ እዩ ወይ ውን ንሓሳብ መበገሲ እዩ፤ ኣብ ልቢ እዩ ዝበሃል ነዚ እዩ።
  • ወልድ ድማ ቃል እዩ ቃል ናይ ልቢ መልእክተኛ ወይ ድማ ናይ ኣብ መልእክተኛ ናይ ሓሳቡ ገባሪ እዩ፤
  • መንፈስ ቅዱስ ድማ እስትንፋስ ወይውን ሕይወት ወሃቢ እዩ።

ዝተሓስበ ኩሉ ተግባር የድሊዮ ተግባር ድማ ቀጻልነት የድልዮ፤ ስለዚ ብአብ ዝተሓስበ ብወልድ ይግበር፤ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ቀጻልነት ይህልዎ። ስለዚ ኣብዚ ክፍሊ ከም ነንብቦ እግዚአብሔር ኣብ ዓለም ንምፍጣር፤ ወጢኑ ኩሉ ውጥኑ ወጽዩ፤ ወልድ ቃል ብርሃን ይኹን ብምባል ይጅምር ፤ መንፈስ ቅዱስ ግን ግዚኡ ስለዘይኣኸለ ኣብ ላዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ። ምክንያቱ ፍጥረት ድሕሪ ምፍጣሩ ቀጻልነት ዝህብ ሕይወት ዝህብ ብምዃኑ ወልድ ብርሃን ይኹን ክሳብ ዝብል እግዚኣብሔር መንፈስ ኣብ ላዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ።

እንታይ ይጽበ ነይሩ፧ ብእግዚኣብሔር ወልድ ዓለም ክሳብ ዝስራሕ ይጽበ ነይሩ። ምኽንያቱ ወልድ ንዝፈጠሮ ሕይወት ወሃቢ ንሱ ስለዝኾነ። ኣስተውሉ እዚ ኣብ ድኅነትውን ተፈጺሙ እዩ።

“ዓለም ንክድኅን እግዚአብሔር አብ ኣፍቂሩ እግዚአብሔር ወልድ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ፣ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ነቲ ብስራት ንዓለም ከም ዝበጽሕ ገይሩ። ስለዚ ናይ ክርስቶስ ሞት ሕያውነት ረኪቡ ክሳብ ሕጂ ዝስበክ ዘሎ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ብፍጹም ኣይዛባዕን እዩኣብ ይውጥን ወልድ ይገብር መንፈስ ቅዱስ ድማ ወልድ ንዝገበሮ ሕይወት ይህብ። እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ጥንተ ተፈጥሮ ክፍጸም እንከሎ ዝራኣናዮ ኣብ ነገረ ድኅነትውን ተፈጺሙ እዩ”።

“መንፈስ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ” ዝብል ቃል ልክዕ ከም ዘይቲ ኣብ ልዕሊ ማይ ዝሰፍፍ ዓይነት ኣይኮነን። እዚ ልክዕ ከምቲ ንስሪ ካብ ማይ ወይውን ካብ ዘለዎ ስፍራ ንምብጋስ ዝገብሮ ምድላዋት ማለት ንምንፋር ዝገብሮ ምድላዋት እዩ። ስለዚ ወልድ ብርሃን ይኹን ኢሉ ክዛረብ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዓይቢ ምድላዋት ከም ዝነበረ ዝገልጸልና እዩ።

ናይ እግዚኣብሔር ኃይሉን ጥበቡን ፈጣሪነቱ ንምፍላጥ እንተ ደሊና ካብ ናይ መጽሓፍ ኢዮብ ብዝበለጸ ከረድኣና ዝኽእል የለን። ኢዮብ ኣደናቒ ተግባር እግዚአብሔር ምስ ረኣየ ናቱ ግብሪን ሕቶን ኣዝዩ ንእሽቶይ ኮይንዎ እዩ። ናይ እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ክንርኢ ምስ ጀመርና ሽዑ ናትና ተግባር ባዶ ከም ዝኾነ ክረኣየና ዝጅምር። ኢዮ 26፥13።

ስለዚ መንፈስ እግዚኣብሔር ንዝተሰርሑ ብሙልኦም ጽባቐ ዝህብ ነበረ። ሕይወት ጽባቐ እዩ። ስለዚ ኩሉ በቦቱኡ ንክሕዝ ዝገብሮ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ሎሚ ውን ፋሕ ጭንግራሕ ንዝበለ ሕይወትና መልክዕ ጽባቐ ከም ዝህልዎ ንምግባር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዓቢ ምድላው እዩ። ግን መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ወልድ ብርሃን ይኹን ክሳዕ ዘይበለ ኣይሰርሕን እዩ። ኣብ ወንጌል ውን እንተ ተመልኪትና ወልድ ድሕሪ ምምጽኡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመጸ ይገልጸልና። ስለዚ ወልድ ዘይኣተዎ ገዛ መንፈስ ቅዱስ ኣይኣቱን እዩ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ፈጣርነቱ፡ ሕይወት ዋሃቢን፡ መድኅን ከም ዝኾነ ኣብ ዘይኣምን ሰብነት መንፈስ ቅዱስ ኣይሓድርን እዩ።

መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኣትዩ ድማ ኩሎም በቦትኦም ኣይሕዙን፤ብትንትን ከም ዝበሉ ኮይኖም ይነብሩ። ጽባቐ ስለዘይብሎም ድማ የጨንቁ። ሃብቲ፤ፍልጠት፤ሥልጣን፤ ክህሉ ይክእል ግን ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዝተበታተነ እዩ። ክንሕዞ ክንጭብጦ ዘይንኽእል ጥርሑ ዝኾነ ሕይወት፣ አብ ጸልማት ዝተዋሕጠ ሰብነት፡ ቅርጺ ዘይብሉ ናብራ ሎሚውን ንዓለምና አንጸላልይዋ ይርከብ። እቲ አሎና ንብሎ ነገር ኩሉ ቅርጹ ዘይሓለወ ፍጹም ጸልማት ብምዃኑ ከም ዘይብልና ኮይና ንነብር አሎና። ሓዳር አሎ ግን የሎን፡ፍልጠት ኣሎ ግን የለን ሎሚ ዘመኑ ብፍልጠት ዝተሓጽረን ቴክኖሎጂ ዝምስገነሉ ዘመን በጺሕና ኣሎና። ንሣይነስ ዘይዋሃቦ ክብርን ግዝየን የሎን። ንጥበባት ጎይታ ንኣእምሮ ብዓል ቤት ንዝኾነ አምላክ ዝኸውን ግዜን ልብን ግን ክንህብ ኣይከኣልናን። ፍልጠትና እግዚኣብሔር ንምፍላጥ ከብጽሓና እንተ ዘይክኢሉ ናይ ድንቁርና ድንቁርና እዩ። ነብይ ዳዊት “መጀመርታ ጥበብ ፍርሓት እግዚኣብሔር እዩ” ከም ዝበለ። ናይ ጥበብ መምዘኒኡ ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ እዩ። ስለዚ ናይ ድንቁርና ጸልማት ሎሚውን አሎ። ንእግዚኣብሔር ዘይምፍላጥ ጸልማት፣ ንእግዚኣብሔር ካብ ዘክሕድ ምዕባለን ፍልጠትን ንዕኡ ፈሊጥና ካልእ ፍልጠት ክተርፈና ይሕሸና።

ክኢልናዮም ምስ ንብሎም ነገራት ብዙሕ ዘይንክሎ ነገር ሒዙልና መጽዩ እዩ። እግዚኣብሔር ዘይብሉ ክእለት ብዙሕ ባዕልና ክንፈትሖ ዘይንክእል ዘይንክእሎም ነገራት ሒዞም እዮም ዝመጹ። ሎሚ ውን ኢየሱስ ክርስቶስ ድምጹ እንተ ዘየስሚዑ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ገጻ ናቡኡ ክሳዕ ዘይመለሰት ጸገማት መመሊሶም ክብርትዑ ናይ ግድን እዩ።

ብርሃን ይኩን በለ ብርሃን ድማ ኮነ እግዚኣብሔር ብርሃኑ ጽቡቅ ከም ዝኾነ ርኣየ እግዚኣብሔር ብርሃንን ጸልማትን ፈለየ

ብርሃን ይኹን ምስ በለ ብርሃን ኮነ ፡ብርሃን ድማ ነቶም ሠለስተ ናይ ዓለም ጸገማት ሲዒሩ፡ ከም ዝጠፍኡ ገበሮም። እንደገናውን ናይ ብርሃን ስርሑ ፍልልይ ከም ዝመጽእ ምግባር ስለዝኾነ ማዓልትን ለይትን ፈለየ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሕይወት ብርሃንን ጸልማትን ብምባል አቕልል አቢሉ እዩ ዝገልጾ። አብ ዓለም ክልተ ዓይነት ካምፕ ኣለዋ፣ሣልሳይ ተወሳኪ ካምፕ የለን። እቲ ሓደ ካምፕ ብርሃን እቲ ሓደ ድማ ጸልማት እዩ፣ ስለዚ ሰብ ናይ ግድን አብ ሓዲኡ አሎ። አብ ውሽጢ ጸልማት እንተ ሃሊና አብ ብርሃን የለናን አብ ውሽጢ ብርሃን እንተ ሃሊና ድማ አብ ጸልማት የሎናን። ሎሚውን ክርስቶስ ዘይሙዕሩይ ቅርጽና፡ገለ ነገር ዘይብልና ጥራሕና ምዃንና፡ ኣባና ዘሎ ጸልማት ገፊፉ ምስ ኣርሓቆ፡ ብድሕሪዚ ፍልልይ ይመጽእ አብ ጸልማት ዘለዉ ነቶም ደቂ ብርሃን ይቃወሙ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ነገር ሓደጋ ዘይኮነስ ባህሪ እዩ።

እግዚኣብሔር ነቲ ብርሃን ብርሃን ነቲ ጸልማት ጸልማት ኢሉ ሰመዮ። አስተውዕሉ እግዚኣብሔር አየዳሉን እዩ፡ ነቲ ብርሃን ጸልማት ነቲ ጸልማት ብርሃን ኢሉ አይጽውዖን፣ ንኩሉ ግን በብስሙ ጸውዖ። ወልደ እግዚኣብሔር ብግርማ ኣብ ዝመጻሉ ንኃጥኣን ኃጥኣን ንጻድቃን ጻድቃን ኢሉ ክጽውዖምን ንኃጥኣን ድማ ካብ ጻድቃን ክፈላልዮምን እዩ። ነናብ ቦትኦም ድማ ከእትዎም እዩ። ንኃጥኣን ናብ ናይ ዘለዓለም ጸልማት ንጻድቃን ድማ ናብ ናይ ዘለዓለም ናይ ሕይወት ብርሃን ከሰጋግሮም እዩ። ሎሚውን ብዙኃት ንሠናይ መን እዩ ዘርእየና ዝብሉ አለው፣ መፍትሒ እንተ ረኸቡውን ከምዚ እንተ ዝኸውን ከምዚ ኣይምኾነን ዝብል ናይ ሠናይ ነገር {ናፈቅቲ} ቡዙኃት እዮም። ነገር ግን ኣድራሽኡ አበይ ከም ዝኾነ ኣይፈልጡን።

ጥርሑ ዝኾነ ሕይወት ንዝተሰከምናዮ ሰብነት እኳ ዋጋ ዘይህብ፣ ብኽቡር ዋጋ ንዝተሰርሐት ዓለም እኳ ዋጋ ዘይህብ ባዶነት ብኒኩለር ብነተጉቲ ዝኾኑ ነገራት ነዛ ዓለም ንምጥፋእ፣ ክርስቶስ ሞይቱ ናይ ደም ዋጋ ንዝኸፈለሉ ወዲ ሰብ ንምጥፋእ ላዕልን ታሕትን ዝብል ጥርሑ ዝኾነ ሕይወት ምርኣይና፣ ናይ እዚ ምርኣያ እዩ። ድቅድቅ ጸልማት ርእስኻ ምፍታው ውን ሎሚ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኣሎ። ጸልማት ንርእስኻን ከባቢኻን ኣየርእን እዩ፡፤ ንስሓ ዘይብሉ ሕይወት ሓውካ ብፍቅሪ ዘይራኣየሉ መንፈሳውነት ሎሚውን አሎ። ናይዚ ኩሉ ከቢድ ጸገም መፍቲሒኡ እንታይ እዩ፧ እግዚአብሔር ብርሃን ይኹን ክብል ኣለዎ።

ስለዚ ብመጀመርያ ሽግርና ምልላይ ቀጺሉ ድማ ንስሓ ክንኣቱ ይግባእ። ብድሕሪዚ እዩ እምበኣር ነቲ በዓል ስልጣን ዝኾነ ጎይታ፣ ብርሃን ዘብርህ አምላክ ብርሃን ይኹን በል ክንብሎ ዝግባእ። ንሱ ብርሃን ይኹን ክብል ከሎ አዝዩ ዓቢ ጸገም ዝነበረ ናይ ምድርና ከም ዝተፈትሐ፣ናይ መላእ ዓለም ጸገምውን ክቃለል እዩ። ናይቲ ሽግር ዕብየቱን ክብደቱን ብዝሑን ብዘየገድስ፥ መፍትሒኡ ሓደ እዩ፣ ንሱ ድማ ብርሃን ይኹን ዝብል ድምጺ ናይ እግዚአብሔር ወልድ ናይ ስልጣን ቃል እዩ።

ብሓቂ ንዘየብርህ ነዚ አይነገረናን፡ ምክንያቱ እግዚኣብሔር ንልቢ ኣሽቃሊ ወይ ውን ንልብና ጠልጠል ዘብል ነጊሩ ዝገድፈና ኣምላክ አይኮነን። እግዚአብሔር ንልብና ዘዕርፍ እዩ። ናይዛ ዓለም ተዋሳእቲ ንልቢ ዘንጠልጥል ስራሕ እዮም ዝሰርሑ፡እግዚኣብሔር ግን ንልብና ዕረፍቲ ዝኾነ ስራሕ ይሰርሕ። ስለዚ ካብ ጥበበኛታትን ፈላጣትን ንላዕሊ ዝኾነ ሽግር ይሃልወና ብዘየገድስ፡ ዘጋጠመ ሽግር እንተ አጋጠመና ምድሪ ኣብ ጥንተ ተፈጥሮ ካብ ዘጋጠማ ሽግር ንላዕሊ ከጋጥመና አይክእልን እዩ። ነቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሽግር መልሱ ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ እዩ ነይሩ። ንሰማይ ዘጽንዐ ቃል ናተይ ሕይወት ደው ከብሎ አይክእልን እዩ ኢልኩም አይትጠራጠሩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ይሰርሕ እዩ፡ ዝሰርሕ ግን እምነት አብ ዘለዎም ሰባት እዩ።

ሎሚውን ዓለምና ብዙሕ እግዚኣብሔር ብርሃን ይኹን ክብለሉ ዝግባእ ጸገማት ተሓጺራ ትርከብ ኣላ። ስለዚ ዘይምዕሩይ ቅርጺ ናብ ፍጹም ጽባቀ ፡ ጥርሑ ዝኾነ ሕይወት ናብ ምልአት፣ ጸልማት ዝኾነ ንርእስናን ብጻይናን ዘይንርእየሉ ድማ ናብ ምስትውዓል ይለውጠልና። ናይ ኩሉ ነገር መፍቲሒኡ አብ ኢዱ ዘሎ ኣምላክ አብ ልዕሊኡ ካልእ ከይደረብናን ከይሓዋወስናን ከም ፍቓዱ ክንግዝኦ ይደግፈና። ብርሃናዊ አምላክ ብብርሃኑ ብርሃን ንርእየሉ ሕይወት ይዓድለና።

ይትባረክ እግዚኣብሔር አምላከ አበዊነ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *