home ዜና ቤተክርስቲያን ሳልሳይ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ክቃናዕ እዩ።

ሳልሳይ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ክቃናዕ እዩ።

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድ ዝርከባ 12   ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ወርሒ  ሓባራዊ ጉባኤ ክገብራ ጸኒሐን። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ኣወዳድባኡ ብምምሕያሽ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዝቐርበሉ  ክልተ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ዋዕላታት ተኻይዶም።

ቀዳማይ ጉባኤ “ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ካበይ ናበይ” ኣብ ዝብል ብዙሕ ንመእመናን ካብ ዘደናግሩ ዝነበሩ ሕቶታት መጽናዕቲ ብምግባር ብንጹር መልሲ ብምሃብን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ እምነትና ካበይ ተበጊሳን ኣበይ በጺሓ ኣላን ንጹርን ዕውቱን ዝኾነ መጽናዕታዊ መደብ ፈላሚ መንፈሳዊ ዋዕልኡ ድሕሪ ምክያድ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ድማ ንዘለና ማሕበራዊ ህይወትና ብመንጽር እምነትና ብምዝማድ “ማሕበራዊ ህይወትና ብመንጽር ትምህርቲ ምስጢረ ሥላሴ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ማሕበራዊ ህይወትና ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናዊ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብምድላው ንኻልኣይ ግዜኡ ዕውት ዋዓላ ከምዘካየደ ዝዝከር እዩ።

እምበኣር ሕጂ ድማ ከም መቀጸልታ ናቱ፡ ንጽባሕ ቀዳም ዕለት 16/06/2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅድስት  ማርያም ኣብ ከተማ ኡትሬኽት ንመበል 3ይ ግዜኡ “ካብዚ ቄናን ወለዶ ርሓቁ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንዘሎ  ተሃድሶኣዊን ምንፍቅናውን ምንቅስቃስ ግቡእ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ጌሩ ተዳልዩ ኣሎ።

ስለዚ ኩልና ኣብዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉባኤ ክንሳተፍ እግዚኣብሔር ይሓግዘና።

ዕዉት ጉባኤ

ናይ ዝሓለፉ ጉባኤታት ስእላዊ መግለጺ፡

One thought on “ሳልሳይ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግስነት ኔዘርላንድስ ክቃናዕ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *