home ዜና ቤተክርስቲያን መልእኽቲ ጸሎተ ፍትሓት

መልእኽቲ ጸሎተ ፍትሓት

ንዓመታዊ ክብረ በዓል ንምስታፍን፡ በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምርካብ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ዝጓዓዙ ዝነበሩ ናይ ኣውቶቡስ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞሙን፡ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ድማ ከም ዝዓረፉ ብእዋኑ ብወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ቤ/ጽ/መንበረ ፓትርያርክ ተሓቢሩን ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ውን ተመሓላሊፉን እዩ።

በዚ ምኽንያት ንዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሎተ ፍትሓት ክግበር ፡ በዚ ኣብ ጥብቆ ዘሎ፡ መልእኽቲ ነመሓላልፍ። እግዚአብሔር፡ ንስድራቤት ጽንዓት፡ዝዓረፉ ወገናትና ድማ  መንግሥተ ሰማያት የዋርሶም።Melketi Xolote Fethat

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *