home ዜና ቤተክርስቲያን ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫን ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይን ምምራቕ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሼን ኖርዎይ

ሓፈሻዊ ጉባኤን ምርጫን ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይን ምምራቕ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሼን ኖርዎይ

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ ብዕለት 26 -05-2018 ሓፈሻዊ ጉባኤን ሓድሽ ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ቅድስት ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኦስሎ ተኻይዱ። ኣብቲ ብኣላይነት ሃገረ ስብከት ዝተመርሐ ኣኼባ ብመጀመርታ ብኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሓፈሻዊ ጸብጻብ፡ ቀሪቡ።ቀጺሉ ተሳተፍቲ ዘለዎም ሕቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም። ጉቡእ መልሲ ድሕሪ ምውሃቡ፡ ብቐጥታ ናብ ምርጫ ተኣትዩ፡ ተሳተፍቲ ንዝቕጽል 3 ዓመታት ዘማሓድርዎም 2 ካብ ውሉደ ክህነት ፡ 2 ካብ ምእመናን፡ 1ኻብ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መሪጾም። ካብኡ ቀጺሉ ብቖሞስ ኣባ ሃብተወልድ ሃብተማርያም ን ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን ሓፈሻዊ ለበዋ ድሕሪ ምሃቦም ጉባኤ ብሰላም ተፈጺሙ። ኣብዚ ጉባኤ ካብ 20 ዝኾና ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ማሕበረ ምእመናን ዝመጹ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ፡ኩሎም ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርዎይ፥ ካብ ሃገረ ስብከት ድማ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ሃብተማርያም፡ ቀሺ ዘርእሰናይ ቀሺ ሰሎሞን፡ ቀሺ ዮሴፍ ቀሺ መርሃጽዮን ተሳቲፎም።

ድሕሪ ዚ ጉዕዞ ኣባላት ሃገረ ስብከት ናብ ከተማ ሽየን ኣቅኒዑ፡ ኣብዚ ከተማ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኪዳነ ምሕረት ቤተክርስቲያን ትርከብ። ኣማኒ ሕዝቢ ናይዚ ከባቢ መንፈሳዊ ቅንኣት ብምሕዳር ናይ ገዛእ ርእሶም ቤተክርስቲያን ገዚኦም። ስለዚ ነዚ፡ዓቢ ስራሕ ንዝሰርሑ ሕዝቢ ንምትብባዕን፡ ከምኡ ውን ወግዓዊ መመረቕታ ንምግባር እዩ ዕላማ ናይዚ ጉዕዞ። ብዕለት 26-05-2018 ዓ.ም.ፈረ ምሸት ስርዓተ ተቅብኦ ተፈጺሙ፡ ካብኡ ቀጺሉ ሙሉእ ለይቲ ብመርሒነት ሊቀ መዘምራን የኔታ ዘካርያስ ብማሕሌት ተሓዲሩ ቅዳሴ ድሕሪ ምስዓቡ ፡ ብሊቀ ካህናት ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን መዝ 83፥5 “ብጹዓን ኩሎሙ እለ ይነብሩ ውስተ ቤትከ፡ ወለዓለመ ዓለም ይሴብሑከ “ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተዋሂቡ ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዑደት ናይቲ ዕለቱ መደብ ተፈጺሙ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *