home ዜና ቤተክርስቲያን ሓዋርያዊ ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ዕዉት ናይ ስራሕ ብምጻሕ ተመሊሶም

ሓዋርያዊ ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ዕዉት ናይ ስራሕ ብምጻሕ ተመሊሶም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ1111111111111111 አምላክ አሜን

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ሓዋርያዊ ዑደቱ ዛዚሙ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኤርትራ ንክምለስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ለንደን ካብ ሠለስቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከባ ብዝተወከሉ ናይ ምፍናው መደብ ተጌሩሉ።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዝጸንሓሉ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ስኮትላንድ፣ ዌልሽ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን እናተዘዋወሩ ሓዋርዊ ዑደት ኣካይዶም። ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን እናተዘዋወሩ ሓዋርያዊ ዑደት ድኅሪ ምክያዶም ካብ ለንደን ወጻኢ ዝርከባ ናይ መጀመርያ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዝጀመሩ በታ ንነዊሕ እዋን ዘይምስምማዕ ስለ ዘጋጠመ ኣብ ሠለስተ ተገሚዖም ዝጸንሑ ዕርቂ ብምግባር ሠለስተ ታቦታት ዓዲሎም። ኣብ ከተማ በርሚግሃም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ብስም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝጽውዓ እኳ እንተ ነበራ፣ደብረ ምጥማቕ ቅድስት ድንግል 00000000ማርያም፣ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ፣ ደብረ ይድረስ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ብምግባር ሠለስተ ታቦታት ዓዲሎም። ብተወሳኺውን ነቲ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲን ሕዝቢን ዝጸንሐ ምፍልላይ ዕርቀ ሰላም ከም ዝኸውን ብምግባር ኣብ ንሓድሕዶም ክበጻጽሑን ሓድነቶም ከዕብዩን ደጊሞም ናብ ምፍልላይ ዝዕድም ሰይጣናዊ ግብሪ ክኸዱ ከም ዘይግባእ ምሕጽንትኦም ኣመሓላሊፎም።

ቀጺሎም ናብ ስኮትላንድ ከተማ ግላስኮ እትርከብ ኣብ ክልተ ተመቒሎም ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝጽውዑ ዝነበሩ ክልተ ማኅበራት ኣብ መንጎኦም ዕርቂ ከም ዝግበር ብምግባር ኣብ ሓደ ኮይኖም ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ከም ዘለዎም ብምግባር ታቦት ዓዲሎም። ጽርሓ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ከተማ ግላስኮ ዘላ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን እያ።

ቀጺሎም ናብታ ተመሳሳሊ ጸገም ዝነበራ ከተማ ሊድስ ብምኻድ ነቲ ዝነበረ ምፍልላይ ብስምምዕ ከም ዝፍታሕ ብምግባር ኣብ ሠለስቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ሠለስተ ታቦታት ዓዲሎም። ኣብ ከተማ ሊድስ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝርከባ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን ይርከባ። ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ፯ ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ዝኸበረሉ፣ ደብረ ጸሓይ ቅድስት ሥላሴ ፯ ሓምለ ዓመታዊ በዓል ዝኽበረሉ ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግባር ብክብረ በዓላት ተፈላልዮም ክራኸቡ ከም ዘለዎም ብምግባር ኣብ ንሓድሕዶም ሓድነት ከም ዝህሉ ጌሮም። ብተወሳኺውን ቅዱስ ገብሪኤል ኣብ ከተማ ሊድስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን እያ።

ብተወሳኺውን ናብታ ካብ ከተማ ሊድስ ሣላሳ ደቒቕ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሸፊልድ ሓዋርያዊ ዑደት ንምክያድን ታቦት ንምእታውን ኣብ ደብረ ገነት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን የዕሪፎም።

ሉኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ውን ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ሠለስተ ወከልቲ ማኅበራት ክልተ ወከልቲ ከም ዝልእኩ ብምግባር ንኡስ ሃገረ ስብከት ንምምራጽ ጉባኤ ኣካይዱ። ኩለን ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ይውክሉና እዮም ዝበልኦም ኃሙሽተ ኣባላት መሪጸን። እዞም ሓሙሽተ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኮይኖም ከመሓድሩ ካብ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ሓደራ ዝተቐበሉ ብኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝተመርጹ እዮም። ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ብመምርሒ ሕጊ ቃለ ኣዋዲ ካብ ሠለስተ ወገን ዝተዋጽኡ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ ብዝእዝዞ መሠረት ክልተ ካብ ውሉደ ክህነት፣ ክልተ ካብ ምእመናን ሓደ ካብ ትምህርቲ ሰንበት ዝርከብዎም ሓቒፉ ዝርከብ ንኹሉ ዝማእከለ መሪሕነት እዩ።

ድኅሪ ምርጫ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንጽባሒቱ ሰንበት ሓዋርያዊ ዑደቶም ብምቕጻል ናብታ ብዙኅ ናይ ተሃድሶ ፈተና ኣጋጢምዋ ዝነበረትን ዘሕፈረትን መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ማንቸስተር ብምብጻሕ ቃለ ቡራኬ ኣስሚዖም ንማኅበረ ምእመናን ውን ኣጸናኒዖም።

ንዑደቶም ከም መዛዘሚ ከኣ ናብታ ኣብ ዌልሽ እትርከብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣካይዶም። ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ኣብ ከተማ ካርዲፍ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን እያ።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብዕዉት ዛዚሞም ብዕለት ፳፰ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ድኅሪ ምምጽኦም ክሳዕ ሎሚ ዕለት ፳፯ ታኅሣሥ ፳፻፱ ዓ.ም ሠፊሕ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ናይዚ መርኣያ ትሽዓተ ታቦታት ዓዲሎም፣ ልዕሊ ፳፭ መዓርገ ዲቁና ቀቢኦም፣ ሓደ መዓርገ ቅስና ሽይሞም። ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት ሉኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኖም ዝመጹ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹዕ ኣብነ ሉቃስን ምክትል ምምሕዳር ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይን እዮም። እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያን ዕቤት ነቦታትና ድማ ዓወት ይሃበልና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *