home ዜና ቤተክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ምስ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ርክብ ኣካይዱ

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ምስ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ርክብ ኣካይዱ

123

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዝርጋሐ ዘለዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ከም ዝህሉ ንምግባር ኣብዕቱዑ ክሰርሓሉ ካብ ዝጅምር ድሮ ዓሠርተ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ዝርጋሐ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ 60 ኣብያተ ክርስቲያን ልዕሊ 90 ድማ ማኅበራት ዝሓዘ ክኸውን ከሎ ነዚ ሰፊሕ ዝኾነ ዝርጋሐ ሓባራውን ሓድነታውን ዝኾነ ኣካይዳ ከም ዝህልዎ ንምግባር ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘውጽኦ መምርሒ ሕጊ ሥርዓተ ምሕደራ መሠረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንጉዳይ ጥርናፈአን ዝሕግዝ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሃገራት ኣቑሙ ይርከብ።

እዘን ንኡስ ሃገረ ስብከት ዝርከበን ሃገራት ኣብ ትሕቲአን ጠርኒፈን ዘመሓድርአን ኣብያተ ክርስቲያን ኣዝየን ብዙኃት እየን። ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ልዕሊ 40 ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ ጀርመን ልዕሊ 203333 ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ ኖርወይ ልዕሊ 25 ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ ጥልያን ልዕሊ 5 ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ ኔዘርላንድ ልዕሊ 13 ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 9 ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ ዓባይ ብርጣንያ ልዕሊ 23 ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ የመሓድራ።

ብተወሳኺውን ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ነተን ካብ ሓደ ክሳዕ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን፣ ዝርከብአን ሃገራት ከም ኣድላይነቱ ጠርነፍቲ ኣካላት ኣቒሙ ርክባቱ ኣደልዲሉ ኣብ ምኻድ ይርከብ። ነተን ክሳዕ ሕጂ ክበጽሐን ዘይከኣለ ሃገራት ውን ዝርጋሐታቱ ኣብ ምስፋ ጥቡቕ ዝኾነ ርክባትን መጽናዕቲ ኣብ ምክያድን ይርከብ።

ኣብ ኣውስትርያ ሓንቲ ማኅበር፣ ኣብ ማልታ ሓንቲ ማኅበር፣ ኣብ ፈርንሳ ልዕሊ 5 ማኅበራት፣ ኣብ ሉክዘምበርግ ሓንቲ ማኅበር፣ ኣብ ዴንማርክ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ኃሙሽተ ማኅበራትን፣ ኣብ ፊንላንድ 33333ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፣ኣብ ስፔን ውን ሓንቲ ማኅበር ከም ዝርከባ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዘን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዝርከባ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብመገዲ ጠርነፍተን ርክባቱ ኣደልዲሉ ይርከብ።

ነቲ ኣብ ወርሒ ኅዳር ኣብ ሃገረ ጀርመን ተጌሩ ዝነበረ ርክብ ምስ ኣርባዕተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ጀርመን፣ ጥልያን፣ስዊዘርላን፣ ኦውስትሪያ፣ ብዕዉት ድኅሪ ምዝዛሙ መቐጸልታ ናይዚ ርክባቱ ድማ ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ኦፕሳላ ብዕለት 21 ጥሪ ጀምሩ ክሳዕ 22 ጥሪ ኣካይዱ። ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ዘተ ተዓዲመን ዝተሳተፋ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ናይ ትሽዓተ ሃገራት ክኾና ከለዋ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ልዕሊ 1 ወከልቲ ብምልኣኸ ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፈን።

ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ጥራናፈ ኣብያተ ክርስቲያን ንምሕያልን ህሉው ኩነታት ንምዝታይ ዝዓለ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ቆሞስ ኣባ ሃብተ ወልድ፣ ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ቀሺ ዘርኢ ሠናይ፣ ሓልፊ ትምህርቲ ሰንበት ዲያቆን ኣስመላሽ፣ሕዝባዊ ርክባት ዶክተር ኣማን፣ ክፍሊ ንብረት ኣቶ ኣስመሮም፣ ተረኺቦም።

ነቲ ጉባኤ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ብጸሎት ባሪኾም ድሕሪ ምኽፋቶም በቲ መርሐ ግብር መሠረት ናይ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሃገረ ስብከት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ኣቕሪበን። እዚ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሃገረ ስብከት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ንምልውዋጥን ኣብ ንሓድሕደን ክህሉ ዝግባእ ጥቡቕ ዝምድናን ከም መበገሲ ክኸውን ተባሂሉ3 ዝተገብረ እዩ። ሃገረ ስብከት ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣኼብኡ ናይ ሥራሕ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕባሉ ሓፈሻዊ ሕቶታትን ርኢቶን ካብ ተጋባእቲ ተቐቢሉ። ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ውን ኣብ ሥርሐን ዝበጽሕኦ ዕዉት ናይ ኣገልግሎት ደረጃን ዘጋጠምዕም መሰናኽላትን ከምኡውን ካብ ላዕለዋይ ኣካል ዘለወን ትጽቢት እንታይ ከም ዝኾነ ብሰፊሕ ገሊጸን።

ሰንበት ዕለት 22 ጥሪ 2017 ዓ.ም ከኣ ብወገን ሃገረ ስብከት ብመገዲ ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ቀሺ ዘርኢ ሠናይ ሠፊሕ ዝኾነ መግለጺ ተዋሂቡ። እቲ መግለጺ ኣብ መንጎ ሃገረ ስበከትን ንኡሳን ሃገረ ስብከት ክህሉ ዝግባእ ርክባት ከመይ ክኸውን ከም ዝግባእ ምስ ገለጹ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ነቲ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ካብ እግዚአብሔር ዝተቀበልዎ ከም ዝኾነ ኣሚኖም ከይተሓለሉ ብንቕሓትን ብትግኃትን ክሰርሑሉ ከም ዝግባእ ገሊጾም።

ብተወሳኺውን ምስ ክልል ስበኻ ኣብያተ ክርስቲያን ክህልዎም ዝግባእ ዝምድና ተሪርን ጽንኩርን ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግላጽ ኣብ ጉዳይ ኣሥራርሕኦም ብመምርሒ ቃለ ኣዋዲ መሠረት ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ምግባር ዓቢ ተበግሶ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ንጉዳይ ኣመራርጻ ክልል ሰባኻ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ውን መጽናዕቲ ክውሰደሉን መንፈሳውነቶም ዝእመነሎም ናይ ምሕደራ ክእለት ዘለዎም፣ ከም ዝኾኑ ተረጋጊጹ ኣብ መሪሕነት ዝመጽሉ መገዲ ኣብ ምግባር ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎ ንኡስ ሃገረ ስብከት ብምዃኑ ነዚ ብዝግባእ ክሰርሓሉ ከም ዘለዎ መግለጺ ኣቕሪቦም። ብተወሳኺውን ንኡስ ሃገረ ስብከት ናይ ሓጺርን ነዊሕን ናይ ስራሕ መደብ ጸብጻባቱ ኣብ ግዚኡ 33ንዝምልከቶ ኣብ ምቕራብን ጽፉፍ ኣተሓሕዛ ሰነዳትን፣ ምዕቡል ኣሰራርሓን ከተ ኣታቱ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ቀጺሎም ውን ነቲ ካብ ነፍሲ ወከፍ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ዝቐረበ ሕቶታት መሊሶም ሪኢቶውን ተቐቢሎም።

ቀጺሉ ብመገዲ ሓላፊ ትምህርቲ ሰንበት ዲያቆን ኣስመላሽ ንጉዳይ ትምህርቲ ሰንበት ዝምልከት ኣብ ኤውሮጳ ዝርጋሐታቱ ከመይ ከም ዝመስል ካብ መበገሲኡ ክሳዕ ሕጂ ድሕሪ ምግላጽ፣ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ኤውሮጳ ዓቢ ቆላሕታ ተጌሩሉ ይስርሓሉ እኳ እንተሎ ነቲ ክንበጽሖ ዝግባእ ናይ ዓወት መስመር ግና ኣብ ምስጓም እምበር ገና ከም ዘይበጻሕናዮ ምስ ገለጸ፣ ነዚ ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ጥርናፈና ኣብርቲዕና ንምስራሕ መደባት ኣብ ምስራዕ ጥርናፈታትና ኣብ ምብርታዕ ከም ዘለና ብምባል ምስ ገለጹ፣ ነቲ ብሕጂ ክስርሓሉ ይግባእ ዝበለዎ ዓበይቲ መደባት ናብ ጉባኤተኛታት ኣቕሪቦም።

ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ኤውሮጳ ምስ ሃገርና ክንርእዮ ከለና ብተዓጻጻፊ ኣብ ኤውሮጳ ከም ዝተሰርሓሉ ውን ገሊጾም። ነዚ ክገልጹ ከለዉ ኣብ ሃገርና ዋላ እኳ ዝርጋሐታቱ ሰፊሕ ከም ዝኾነ ዘይከሓድ ሓቂ እንተ ኾነ ገና ካብ ከተማ ናብ ገጠራት ዝርጋሐታቱ ከምቲ ዝድለ ተባጺሑ እዩ ግና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ኤውሮጳ ትምህርቲ ሰንበት 1234መሠረቱ ውሽጢ ዓዲ እኳ እንተ ኾነ ትምህርቲ ሰንበት ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ኣላ ምባል ግና ኣይከኣልን እዩ። ብኣንጸሩ ምብዛሕ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ትምህርቲ ሰንበት ከም ዝኾነ  ገሊጾም።

ትምህርቲ ሰንበት ህልውና ናይ ቤተክርስቲያን ብምዃኑ ቀንዲ ዕላማና ተካእቲ ውሉደ ክህነት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ክኾኑ እዩ። ብተወሳኺውን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሉ ንዝርከብ መንእሰይ ሓቒፉ ካብ ተስፋ ምቑራጽን ሃይማኖቱ ምኽሓድን ከም ዝድኅን ኣብ ምግባር ብልዑል ተበግሶ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ገሊጾም። ብጉዳይ ኣተዓባብያ ቆልዑት፣ ኣተሓሕዛ መንእሰያት ውን ኣብቲ ዝድለ ንክንበጽሕ ክንሰርሓሉ ተበጊስና ከምዘለና ክብሉ ገሊጾም።

ንጉዳይ ህሉው ኩነታት ዝምልከት ውን ክገልጹ ከለዉ “ምንቕስቓስ ተሓድሶ ንቤተ ክር12345ስቲያን ሓድሽ ስለ ዘይኮነ ከም ቀዳሞት ኣቦታትና ሥርዓታ ዝሓለወት ፍኖተ ኣበው ዘይለቐቐት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝቕጽል ወለዶ ኣብ ምስግጋር እቲ ዝዓበየ መደብ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ብምኳኑ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ሰንበታት ነዚ ክነቕሓሉን ክሰርሓሉን ከም ዝግባእ ኣብ ምግባር ብመደብ ይስርሓሉ እኳ እንተሎ ብጥርኑፍ ኣገባብን ኃያል ውዳበን ንቐጻሊ ከም ዝስርሓሉ ከዘኻኽረኩም ይፈቱ” ብምባል ድኅሪ ምግላጽ ነቶም ወከልቲ ንኡስ ሃገረ ስብከታት ውን ኣብዚ ዓቢ ቆላሕታ ብምግባር ክሰርሕሉ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ውን ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ሰንበት ንዝተላዕሉ ሕቶታት መሊሶም ርኢቶታትውን ተቐቢሎም።

ቀጺሉ ዶክተር ኣማን ንጉዳይ ርክባት ዝምልከት ሃገረ ስብከት በጺሕዎ ዘሎ ዓወታት፣ ንቐጻሊውን ከም መደብ ሒዝዎም ዘሎ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ ንጉዳይ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝምልከት ሓፈሻዊ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ብጸሎት መዛዘሚ ተጌሩሉ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *